bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 12
2 Samuel 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ናታን ከዓ ናብ ዳዊት ኣትዩ “ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኡት ነበሩ። እቲ ሓደ ሃብታም ነበረ፤ እቲ ሓደ ድማ ድኻ ነበረ።
2
እቲ ሃብታም እምብዛ ብዙሓት ኣባጊዕን ከፍትን ነበራኦ።
3
እቲ ድኻ ግና ብዘይ እታ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽተይ በጊዕ፥ ካልእ ኣይነበሮን። ንሱ ኣዕበያ፤ ኣብ ገዛኡውን ምስ ደቁ ብሓደ ዓበየት፤ ካብ ቍራሱ ትበልዕ፤ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፤ ኣብ ሕቝፉውን ትድቅስ ነበረት። ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት።
4
“ነቲ ሃብታም ሰብኣይ ጋሻ መፆ። ነቲ ጋሻ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣላሕሙን ወሲዱ ምግቢ ኸየዳልወሉ ነፈገ። ግና ነታ ናይቲ ድኻ በጊዕ ወሲዱ ነቲ ዝመፆ ጋሻ ሓሪዱ ኣዳለወሉ” በሎ።
5
ሽዑ ዳዊት የመና ተቘጥዐ፤ ንናታን ከዓ “ብህያው እግዚኣብሄር! እቲ እዙይ ዝገበረ ሰብ ወዲ ሞት እዩ።
6
እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበረን፥ ርህራሀውን ስለ ዘይነበሮን፥ ክንዲ እታ ዝወሰዳ በጊዕ ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ” በሎ።
7
ሽዑ ናታን ንዳዊት “እቲ ሰብኣይ እቱይ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኹኻ፤ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ።
8
መንግስቲ ሳኦል ሃብኩኻ፤ ኣንስቱውን ኣብ ሕቝፍኻ ኣንበርኩልካ፤ ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ከዓ ኣንገስኩኻ፤ እዙይ ውሒዱ እንተ ዝኸውን ድማ ኸምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።
9
ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ዝኾነ ኽትገብር ቃለይ ዝነዓቕካ? ነቲ ኬጢያዊ ኦርዮ ብሰይፊ ቐቲልካስ፥ ንሰበይቱ ንኣኻ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሲድካያ። ንእኡ ኸዓ ብሰይፊ ደቂ ኣሞን ቀተልካዮ።
10
እምበኣር ስለ ዝነዓቕካኒ፥ ንሰበይቲ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፥ ካብ ገዛኻ ሰይፊ ኣይርሕቕን እዩ።’
11
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ነንስትኻ ወሲደ ንብፃይካ ኽህበን እየ። ንሱ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እዛ ፀሓይ እዚኣ ምስተን ኣንስትኻ ኽድቅስ እዩ።
12
ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፥ ኣነ ግና ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ፀሓይን ክገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” በሎ።
13
ሽዑ ዳዊት ንናታን “ንእግዚኣብሄር በዲለ እየ” በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፦ “እግዚኣብሄር ከዓ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፤ ኣይትመውትን ኢኻ።
14
ግና በዝ ነገር እዙይ ነቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር ግሁድ መላገፂ ስለ ዝሃብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ኽመውት እዩ” በሎ።
15
ናታን ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዮ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ፥ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ከቢድ ሕማምውን ሓሚሙ ነበረ።
16
ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ።
17
እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸዓ፥ ተልዒሎም ካብ መሬት ከተስእዎ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው በሉ። ንሱ ግና ኣበየ፤ ምስኣቶምውን እንጀራ ኣይበልዐን።
18
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ እቲ ህፃን ሞተ፤ እቶም ሹመኛታት ዳዊት ከዓ “እንሆ፥ እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ተዛሪብናዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፥ ከመይ ኢልና ደኣ ‘እቲ ህፃን ሞይቱ’ ኽንብሎ ኢና? ኣብ ባዕሉ ጕድኣት እንተብፅሐኸ?” በሉ። ስለዙይ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሑ።
19
ዳዊት ግና እቶም ሹመኛታቱ ንስንሳቶም ሕሹዅሹዅ እንትብሉ ምስ ረአየ እቲ ህፃን ከም ዝሞተ ፈለጠ። ዳዊት ከዓ ነቶም ሹመኛታቱ “እቲ ህፃንዶ ሞይቱ እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ሞይቱ”። በልዎ።
20
ሽዑ ዳዊት ካብ መሬት ተሲኡ፥ ተሓፂቡን ተቐቢኡን፥ ክዳውንቱ ለወጠ፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸዓ ሰገደ። ናብ ቤቱ መፂኡውን ዝብላዕ ኣዘዘ፤ ምስ ኣቕረቡሉ ድማ በልዐ።
21
ሽዑ እቶም ሓሻኽሩ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ? እቲ ህፃን ብህይወቱ እንተሎ ምእንታኡ ፆምካን በኸኻን፤ እቲ ህፃን ምስ ሞተ ግና ተሲእካ እንጀራ በሊዕኻ” በልዎ።
22
ንሱ ኸዓ “መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒሞ፥ እቲ ህፃን ድማ እንተ ሓወየ፥ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፥ እቲ ህፃን ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ፆምኩን በኸኹን።
23
ሕዚ ግና ሞይቱ እዩ፤ ንምንታይ ኢለ ደኣ ኽፀውም? ደጊምዶ ኽመልሶ ይከኣለኒ እዩ? ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፥ ንሱስ ናባይ ኣይምለስን እዩ” በሎም።
24
ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ቤርሳቤህ ኣፀናንዓ፤ ናብኣውን ኣተወ፤ ምስኣ ድማ ደቀሰ፤ ወዲ ኸዓ ወለደት፤ ስሙውን ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፤ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ።
25
ብነቢይ ናታን ልኢኹ ምእንቲ እግዚኣብሄር፥ ይዲድያ ኢሉ ሰመዮ።
26
ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ራሞት ምስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ነታ ርእሲ ኸተማ ንጉስ ሓዛ።
27
ኢዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፥ “ንረባት ተዋጊአያ፤ ንማይ እታ ኸተማውን ሒዘዮ።
28
ሕዚ ኸዓ፥ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ ብስመይ ከይትፅዋዕስ፥ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኽቲትካ ኽበባሞ ሓዛ” ኢሉ ልኡካት ለአኸ።
29
ዳዊት ከዓ ንዅሉ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ረባት ኸደ እሞ፥ ተዋጊኡ ሓዛ።
30
ንዘውዲ ንጉሶም ከዓ ኻብ ርእሱ ወሰዶ፤ ሚዛኑ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ወርቂ ነበረ፤ ክቡር ኣዕናቝውን ነበሮ፤ ዳዊት ድማ ኣብ ርእሱ ገበሮ። ካብታ ኸተማ ኸዓ የመና ብዙሕ ምርኮ ኣውፅአ።
31
ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
← Chapter 11
Chapter 13 →