bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 11
2 Samuel 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ንዓመታኡ ኸዓ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወፁሉ ጊዜ፥ ዳዊት ንኢዮኣብ ምስቶም ሹመኛታቱን ምስ ዅሉ እስራኤልን ሰደዶ። ንሃገር ደቂ ኣሞን ኣጥፊኦም ድማ ንረባት ኸበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።
2
ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ።
3
ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ።
4
ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ኣምፅኣ፤ ናብኡውን ኣተወት፤ ካብ ፅጌኣ ዝነፅሀትሉ ጊዜ ነበረ እሞ፥ ምስ ተራኸባ ናብ ቤታ ተመለሰት፤ ጠነሰትውን።
5
ናብ ዳዊት ድማ “ጠኒሰ እየ” ኢላ ለኣኸትሉ።
6
ሽዑ ዳዊት “ንኦርዮ ኬጢያዊ ስደደለይ” ኢሉ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ከዓ ንኦርዮ ናብ ዳዊት ሰደዶ።
7
ኦርዮ ናብኡ ምስ መፀ ድማ ዳዊት፥ ሃለዋት ኢዮኣብን እቶም ሰራዊት ከመይ ከም ዘለዉን ኵነታት እቲ ውግእን ጠየቖ።
8
ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “እምበኣር ናብ ገዛኻ ውረድ፤ እግርኻውን ተሓፀብ” በሎ። ኦርዮ ድማ ኻብ ቤተ መንግስቲ ወፀ፤ ንጉስ ከዓ ደድሕሪኡ ዝተመረፀ ምግቢ ኣስዓበሉ።
9
ኦርዮ ግና ምስ ኵሎም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ደቀሰ እምበር ናብ ቤቱ ኣይወረደን።
10
ንዳዊት “ኦርዮ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፥ ዳዊት ንኦርዮ “ንስኻ ኻብ በረኻ መፂእኻ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ናብ ገዛኻ ዘይኸድካ?” በሎ።
11
ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ።
12
ዳዊት ከዓ ንኦርዮ “ሎሚውን እምበኣር ኣብዙይ ፅናሕሞ፥ ፅባሕ ኽሰደካ እየ” በሎ። ኦርዮ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣን ብፅባሒታን ኣብ ኢየሩሳሌም ፀንሐ።
13
ዳዊት ንኦርዮ ፀውዖሞ፥ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፤ ክሳዕ ዝሰክርውን ኣስተዮ። ምስ መሰየ ግና ምስቶም ኣገልገልቲ ጐይታኡ ኣብ መንፀፉ ደቀሰ፤ ናብ ገዛኡ ኣይወረደን።
14
ንፅባሒቱ ንግሆ ድማ ዳዊት ንኢዮኣብ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ብኢድ ኦርዮ ሰደደሉ።
15
ኣብታ መልእኽቲ ኸዓ “ንኦርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ፥ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ፥ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውት ከዓ ሓዲግኩምዎ ህደሙ” ኢሉ ፀሓፈ።
16
ኢዮኣብ ድማ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፥ ንኦርዮ ናብታ ብርቱዓት ተዋጋእቲ ፀላኢ ኣለዉዋ ኣብ ዝበላ ቦታ ኣሰለፎ።
17
ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ወፂኦም ንኢዮኣብ ተዋግእዎ። ካብ ሰራዊት ዳዊት ድማ ውሑዳት ወደቑ፤ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊውን ኣብኡ ሞተ።
18
ሽዑ ኢዮኣብ ብዛዕባ ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንዳዊት ለኣኸሉ።
19
ነቲ ልኡኽ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኵሉ ዅነታት እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእኻ፥
20
ንጉስ ኰርዩ ‘ስለ ምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም? ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ቀስቲ ኸም ዝውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
21
እቲ ኣብ ቴቤፅ ዝሞተ ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ድዩ ዝቐተሎ? ሰበይቲዶ ኣይኮነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም?’ እንተበለካ፥ ሽዑ ንስኻ፦ ‘ኣገልጋሊኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ኸዓ ሞይቱ’ በሎ።”
22
እቲ ልኡኽ ድማ ኸይዱ ዅሉ እቲ ኢዮኣብ ዝለኣኾ ንዳዊት ነገሮ።
23
እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት “እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ ሜዳ ወፁ፤ ንሕና ኸዓ ኽሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም።
24
እቶም ወርወርቲ ድማ ንኣገልገልትኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ቀስቲ ወርወሩሎም፤ ካብቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ንጉስ ከዓ ሞቱ፤ ኣገልጋሊኻ ኦርዮ፥ እቲ ኬጢያዊ፥ ድማ ሞይቱ” በሎ።
25
ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ “ንኢዮኣብ ‘ኲናት ሓንሳእ ነዙይ፥ ሓንሳእ ከዓ ነቱይ እዩ ዘጥፍእ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣየጨንቕካ፤ ነታ ኸተማ ኣፅኒዕኻ ተዋግኣያ፤ ኣፍርሳውን’ ኢልካ ኣተባብዓዮ” በሎ።
26
ሰበይቲ ኦርዮ ኸዓ፥ ኦርዮ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፥ ንሰብኣያ በኸየትሉ።
27
መዋእል ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፥ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸዓ ኾነት፤ ወዲውን ወለደትሉ። ግና እዝ ዅሉ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኮነ።
← Chapter 10
Chapter 12 →