bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 10
2 Samuel 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ።
2
ዳዊት ድማ፥ ንሓኖን ወዲ ናዖስ “ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ሰናይ ዝገበረለይ፥ ንእኡ ሰናይ ክገብረሉ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ብሓሽከሩ ገይሩውን ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ልኡኻት ዳዊት ከዓ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ኣተዉ።
3
እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ንጐይታኦም ሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካዶ ይመስለካ ኣሎ? ዳዊትስ ነዛ ኸተማ ኽዕዘባን ክስልያን ከጥፍኣንዶ ኣይኮነን ሓሻኽሩ ሰዲዱልካ ዘሎ?” በልዎ።
4
ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
5
እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክራኸብዎም ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከዓ “እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ምስ በቘለ ኸዓ ትምለሱ” ኢሉ ለኣኸሎም።
6
ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።
7
ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።
8
ደቂ ኣሞን ከዓ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ሶባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።
9
ሽዑ ኢዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ንውግእ ከም ዝተሰለፉ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ካብ ኵሎም ጀጋኑ እስራኤል ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
10
ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ከዓ ኣብ ኢድ ኣቢሳ ሓዉ ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክዋግኡ ኣሰለፎም።
11
ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ።
12
ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።
13
ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ድማ ንሶርያውያን ክዋግእዎም ቀረቡ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ።
14
እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ምስ ደቂ ኣሞን ምውጋእ ሓዲጉ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
15
ሶርያውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ብሓደ ተኣከቡ።
16
ኣድርኣዛር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ሰገር ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣምፅኦም፤ ናብ ኤላምውን መፁ፤ ሶባክ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ነበረ። መሪሕዎምውን ናብ ሔላም መፁ።
17
እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፥ ናብ ኤላም ከደ፤ ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ምስኡ ተዋግኡ።
18
እቶም ሶርያውያን ድማ ኻብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛታትን ቀተለ፤ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ቐተሎ።
19
እቶም ንኣድርኣዛር ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ እስራኤል ተዓሪቖም ንኣኣቶም ተገዝኡ፤ ገበሩሎምውን። ሶርያውያን ከዓ ድሕሪዙይ ፈሪሖም ንደቂ ኣሞን ኣይረድእዎምን።
← Chapter 9
Chapter 11 →