bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 9
2 Kings 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቢይ ኤልሳዕ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነቢያት ፀዊዑ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ እዝ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ኪድ።
2
ኣብኣ ምስ በፃሕኻ ኸዓ፥ ንኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ፥ ወዲ ናሜሲ፥ ደሊኻ ርኸቦ፤ ካብ ማእኸል ኣሕዋቱ ኣተሲእኻ ድማ ናብ ውሽጢ ሕልፍኚ ኣእትዎ።
3
ሽዑ ነቲ ዘይቲ ዝመልአ ቐርኒ ወሲድካ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍስሶ እሞ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ እየ’ ይብል ኣሎ በሎ፤ ድሕሪኡ ማዕፆ ኸፊትካ ህደም፥ ኣይትደንጒ” በሎ።
4
እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ነቢይ ኤልሳዕ ከዓ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ከደ።
5
ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ፥ ናባኻ መልእኽቲ ኣለኒ” በለ። ኢዩ ድማ “ምስ መኒና እዩ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣታ ሓለቓ ምሳኻ እዩ” በሎ።
6
ኢዩ ድማ ተሲኡ ናብ ቤት ኣተወ፤ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ።
7
ኣነ ነቲ ኤልዛቤል ዘፍሰሰቶ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ሕነ ኽፈድስ ንቤት ጐይታኻ ኣክኣብ ክተጥፍኣ ኢኻ።
8
ቤት ኣክኣብ ብምልእታውን ክትጠፍእ እያ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ኻብ ኣክኣብ ዝተወልደ ዓብዪ ኾነ ዝተኣሰረ ወይ ዘይተኣሰረ ተባዕታይ ዝኾነ ኸጥፍእ እየ።
9
ንቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ንቤት ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥን ንቤት ባዖስ ወዲ ኣኪያን ዘጥፋእኽወን ከጥፍኣ እየ።
10
ንኤልዛቤል ድማ ዝቐብራ ኣይህሉን፤ ንሬሳኣ ኣብ ቃድራ ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም’ ” በለ። እዙይ ምስ በለ፥ ካብታ ቤት ወፂኡ ሃዲሙ ኸደ።
11
ኢዩ ወፂኡ ናብቶም ሓሽኽር ጐይታኡ ምስ ተሓወሰ ኸዓ፥ “ደሓን ድዩ? እዝ ዕቡድ እዙይ እንታይ ደልዩ እዩ መፂኡካ ዝነበረ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኢዩ ድማ “ነዝ ሰብኣይ እዙይን ነቲ ዝበሎ ዘረባን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም” በሎም።
12
ንሳቶም ግና “ሓሰት እዩ፤ ንስኻ ግዳ ንገረና?” በልዎ። ኢዩ ኸዓ “እግዚኣብሄር ‘ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢአካ ኣለኹ’ ኢሉ ኸምዙይ ከምዙይ ኢሉ ነጊሩኒ” በሎም።
13
ሽዑ ዅሎም ቀልጢፎም ከክዳውንቶም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ፥ ኣብቲ ናይ ደብሪ መደያይቦ ኣንፀፉ፤ መለኸት እናነፍሑ ድማ “ኢዩ ነጊሱ” እናበሉ ኣወጁ።
14
ኢዩ ወዲ ኢዮሳፍጥ ወዲ ናሜሲ ንኢዮራም ሻራ ገበረሉ። በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ኢዮራምን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ምእንቲ ኸይወሮም ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ኮይኖም ይሕልዉ ነበሩ።
15
ንጉስ ኢዮራም ግና እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቝስሊ ኽሕከም ናብ ኢይዝራኤል ተመሊሱ ነበረ። ኢዩ ኸዓ “ልብኹም ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑስ ከይዱ ናብ ኢይዝራኤል ምእንቲ ኸይነግር፥ ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ኣይውፃእ” በሎም።
16
ኢዮራም ኣብ ኢይዝራኤል ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ እሞ፥ ኢዩ ኣብ ሰረገላ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ። ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንኢዮራም ክበፅሕ ናብ ኢይዝራኤል ወሪዱ ነበረ።
17
እቲ ኣብ ግንቢ ኢይዝራኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ሓላዊ ኸዓ ጭፍራ ኢዩ እንትመፅእ ሪኡ፥ “ጭፍራ እንትመፅእ እርኢ ኣለኹ” በለ። ኢዮራም ድማ “ሓደ ፈረሰኛ ለኣኽ እሞ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ኢሉ ይጠይቖም” በሎ።
18
ሓደ ኸዓ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ኽራኸቦም ከይዱ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ጠየቖም። ኢዩ ኸዓ “ንስኻ ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ። እቲ ሓላዊ ድማ “እቲ ልኡኽ ናብኣቶም በፂሑ፤ ግና ኣይተመለሰን” ኢሉ ነገረ።
19
ሽዑ ኻልኣይ ፈረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኣቶም መፂኡ “ንጉስ ‘ብደሓን ዲኻትኩም?’ ይብል ኣሎ” በሎም። ኢዩ ኸዓ “ብዛዕባ ደሓን እንታይ ኣእተወካ? ናብ ድሕረይ ሓሊፍካ ተኸተለኒ” በሎ።
20
እቲ ልኡኽ ድማ “ናብኣቶም በፂሑ፥ ግና ኣይተመለሰን። እቲ መራሒ ሰረገላ ኸዓ ኸም ዕቡድ ይጋልብ ኣሎ፤ ኣካይዳኡ ድማ ኣካይዳ ኢዩ ወዲ ናሜሲ ይመስል” ኢሉ ነገሮ።
21
ሽዑ ኢዮራም “ሰረገላ ኣዳልዉ” በለ። ሰረገላ ድማ ኣዳለውሉ። ኢዮራም ንጉስ እስራኤልን ኣካዝ ንጉስ ይሁዳን ከዓ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ሰረገላኦም ደየቡ፤ ንኢዩ ኽዋግእዎ ድማ ወፁ፤ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ኸዓ ተራኸብዎ።
22
ኢዮራም ንኢዩ ምስ ረአዮ “ኢዩ፥ ብሰላም ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እቲ ናይ እኖኻ ኤልዛቤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣዖትን እቲ ብዙሕ ጥንቍልናኣን ክሳዕ ዘሎ፥ እንታይ ሰላም ኣሎ?” ኢሉ መለሰሉ።
23
ኢዮራም ድማ ንንጉስ ኣካዝ “ኣካዝ፥ ዓመፅ እዩ” በሎ። ኢዮራም ሰረገላኡ መሊሱ ድማ ሃደመ።
24
ኢዩ ግና ቐስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንኢዮራም ኣብ መንጎ መናዅቡ ወግኦ፤ እቲ ፍላፃ ድማ ብልቡ ወፀ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸዓ ድፍእ በለ።
25
ኢዩ ንቢድቃር ሓለቓ ሰረገላታቱ “ኣልዒልካ ኣብ ግራት ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ ደርብዮ፤ እቲ ኣነን ንስኻን ኣብ ፈረስ ተቐሚጥና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣክኣብ ክንስዕብ እንተለና፥ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ከም ዝተዛረበሉ ዘክር፦
26
‘ነቲ ደም ናቡቴን ደም ደቁን ብርግፅ ትማሊ ሪአዮ እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ክፈድየካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ወሲድካ ኣብታ ግራት ናቡቴ ደርብዮ” በሎ።
27
ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዙይ ምስ ረአየ፥ ብመንገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። ኢዩ ግና “ንእኡውን ውግእዎ” እናበለ ደድሕሪኡ ሰዓበ። ኣብታ ጥቓ ይብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከዓ ኣብ ሰረገላኡ እንተሎ ወግእዎ። ግና ኽሳዕ መጊዶ ሃደመ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።
28
እቶም ሓሻኽሩ ኸዓ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ድማ ቐበርዎ።
29
ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
30
ብድሕሪዙይ ኢዩ ናብ ኢይዝራኤል መፀ፤ ኤልዛቤል ነዙይ ምስ ሰምዐት ኣዒንታ ተዅሒላ ርእሳውን ተቘኒና ብመስኮት ኮይና ትጥምት ነበረት።
31
ኢዩ በቲ ኣፍ ደገ ምስ ኣተወ ድማ “ኣታ ቐታሊ ጐይታኡ ዘምሪ፥ ብደሓን ዲኻ?” በለቶ።
32
ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ።
33
ንሱ ድማ “ኣፅድፍዋ” በለ። ንሳቶም ድማ ኣፅደፍዋ እሞ፥ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነፅገ፤ ረጊፁዋውን ሓለፈ።
34
ኣትዩ ድማ በልዐን ሰተየን፤ ብድሕሪኡ “በይዛኻትኩም፥ ርግምቲ እኳ እንተ ኾነት ጓል ንጉስ እያ እሞ ወሲድኩም ቅበርዋ” ኢሉ ኣዘዘ።
35
ክቐብርዋ ኸዓ ኸዱ፤ ግና እንትርፊ ሓምሓም ርእሳን፥ ሸዀና እግራን፥ ግናዕ ኣእዳዋን ካልእ ኣይረኸቡላን።
36
ተመሊሶም ድማ ነገርዎ፤ ኢዩ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦ “እዙይ እቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ ኤልያስ ቴስብያዊ ዝበሎ እዩ፦ ንስጋ ኤልዛቤል ኣብ ግራት ኢይዝራኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም።
37
ሬሳ ኤልዛቤል ድማ እዚኣስ ኤልዛቤል እያ ኢሉ ዘለልያ ኽሳዕ ዘይርከብ ኣብ ልዕሊ ግራት ኢይዝራኤል ከም ድዅዒ ክኸውን እዩ።”
← Chapter 8
Chapter 10 →