bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 8
2 Kings 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኤልሳዕ ነታ ወዳ ካብ ሞት ዘተስአላ ሰበይቲ፥ “እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር እዚኣ፥ ሸውዓተ ዓመት ዝፀንሕ ጥሜት ኣዚዙ ኣሎ እሞ፥ ንስኽን ቤተ ሰብክን ተሲእኺ ኺዲ ኣብ ዝረኸብክዮ ዓዲ ተቐመጢ” ኢሉ ተዛረባ።
2
እታ ሰበይቲ ኸዓ ተሲኣ ኸምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝበላ ገበረት። ንሳን ቤተሰባን ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሸውዓተ ዓመት ተቐመጡ።
3
እተን ሸውዓተ ዓመት ምስ ተወድኣ እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመለሰት፤ ብዛዕባ ቤታን ግራታን ክትጠርዕ ናብ ንጉስ ከደት።
4
በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ንግያዝ፥ ሓሽከር ኤልሳዕ “በይዛኻ እቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት ንገረኒ?” ይብሎ ነበረ።
5
ግያዝ ከዓ፥ ኤልሳዕ ምዉት ከም ዘተስአ ንንጉስ ክነግሮ እንተሎ፥ እንሆ እታ ወዳ ዘተስአላ ሰበይቲ ቤታን ግራታን ክተምልስ ኣብ ንጉስ ክትጠርዕ መፀት። ሽዑ ግያዝ “ጐይታይ ንጉስ፥ እታ ሰበይቲ እዚኣ እያ፤ እቲ ኤልሳዕ ዘተስኦ ወዳውን እዙይ እዩ” በሎ።
6
እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ጠየቓ፤ ንሳ ኸዓ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ሃባ እሞ “ዝነበራ ዅሉን፥ እታ ግራታ ኻብታ ዝተሰደደትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ኽተእትዎ እትኽእል ዝነበረ ዅሉን ኣምልሰላ” በሎ።
7
ኤልሳዕ ናብ ደማስቆ ኸደ። ንጉስ ሶርያ ወልደ ኣዴር ከዓ ሓሚሙ ነበረ፤ “እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናብዙይ መፂኡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ነገርዎ።
8
ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣዛሄል “ገፀ በረኸት ሒዝካ ንኤልሳዕ ክትቅበሎ ኺድ እሞ ‘ካብዝ ሕማም እዙይ ክሓዊ ድየ?’ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ጠይቐለይ ኢሉካ በለለይ” በሎ።
9
ኣዛሄል ድማ ዘዝበለፀ ሃብቲ ደማስቆ ኣርብዓ ፅዕነት ግመል ዝኣክል ሒዙ ናብ ኤልሳዕ ከደ። ምስ ተራኸቡ ድማ “ወድኻ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ‘ካብዝ ሕማም እዙይዶ ኽሓዊ እየ?’ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።
10
ኤልሳዕ ከዓ “ኪድ እሞ፥ ‘ምሕዋይስ ክትሓዊ ኢኻ’ በሎ። ግና ብርግፅ ከም ዝመውት እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ”
11
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ ኣዛሄል ክሳዕ ዝሽቝረር ተኲሩ ጠመቶ። ብድሕሪዙይ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ነብዐ።
12
ኣዛሄል ከዓ “ጐይታይ ስለ ምንታይ ኢኻ ትበኪ ዘለኻ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ፥ ዕርድታቶም ብሓዊ ኽተቃፅል፥ ነጓብዞም ከዓ ብሰይፊ ኽትቀትል፥ ንህፃናቶም ድማ ኽትጭፍልቕ፥ ንጥኑሳቶምውን ከብደን ክትቀድድ ኢኻ” በሎ።
13
ኣዛሄል ከዓ “እዝ ዅሉ ነገር እዙይ ዝገብርስ ኣነ ሓደ ኸልቢ ዝኾንኩ ባርያኻስ መን ኮይነ እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ ኣሎ” በሎ።
14
ካብ ኤልሳዕ ከዓ ርሒቑ ኸደ፤ ናብ ጐይታኡውን ተመለሰ። ንሱ ኸዓ “ኤልሳዕ እንታይ ኢሉካ?” ኢሉ ጠየቖ። ኣዛሄል ድማ “ብርግፅ ከም እትሓዊ ነጊሩኒ” ኢሉ መለሰሉ።
15
ንፅባሒቱ ኣዛሄል ወጮ ወሲዱ ኣብ ማይ ኣሊኹ ዓቢሱ ቐተሎ። ክንድኡ ድማ ነገሰ።
16
ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ፤ ኢዮራም ወዲ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
17
ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ።
18
ግና ጓል ኣክኣብ ኣእትዩ ነበረ እሞ፥ ከም ቤት ኣክኣብ፥ ከምቲ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ገበረ።
19
እግዚኣብሄር ግና፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፥ ምእንቲ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፥ ንይሁዳ ኸጥፍኣ ኣይደለየን።
20
ብዘመን ኢዮራም ኤዶምያስ ንይሁዳ ከይግብር ዓመፀ፤ ናይ ባዕልቶም ንጉስ ድማ ኣንገሱ።
21
ሽዑ ኢዮራም፥ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ፃኢር ሓለፈ። ኤዶማውያን ከዓ ኸበብዎም። ንሱ ግና ብለይቲ ተሲኡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያን ወቕዐ፤ እቶም ህዝቢ ድማ፤ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
22
ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኤዶምያስ ንይሁዳ ኻብ ምግባር ሸፈተ። ሊብናውን በቲ ጊዜ እቱይ ካብ ይሁዳ ዓመፀት።
23
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮራም ነገርን እቲ ዅሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
24
ኢዮራም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኸዓ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
25
ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ ኣካዝ ወዲ ኢዮራም፥ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
26
ኣካዝ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ጎቶልያ ትብሃል ነበረት። ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ።
27
ንሱ ምስ ቤት ኣክኣብ መውስቦ ስለ ዝነበሮ፥ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
28
ምስ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ኮይኑ ድማ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኣብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋግኦ ኸደ። ንጉስ ኢዮራም ድማ ኣብኡ ብሶርያውያን ተወግአ።
29
ንጉስ ኢዮራም ከዓ እቲ ምስ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ እንተሎ፥ ሶርያውያን ኣብ ኣርማቴም ዝወግእዎ ቝስሊ ኸሕዊ ናብ ኢይዝራኤል ተመለሰ። ኣካዝ፥ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮራም ድማ፥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኢዮራም ወዲ ኣክኣብ ክበፅሖ ናብ ኢይዝራኤል ወረደ።
← Chapter 7
Chapter 9 →