bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 10
2 Kings 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦
2
“ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝተዓረደ ኸተማን ኣፅዋርንውን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ሕዚ ኸዓ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ በፅሐትኩም፥
3
ካብቶም ደቂ ጐይታኹም ንጉስ እቲ ዝበለፀን ዝሐሸን ርኢኹም ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ” ኢሉ ናብ ሰማርያ ለኣኸ።
4
ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ “እንሆ፥ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ክቆሙ፥ ዘይከኣሉስ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም?” በሉ።
5
ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።
6
ሽዑ ኢዩ ኻልኣይ ጊዜ “ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን እንተ ሰሚዕኩምስ ኣራእስ እቶም ሰብዓ ደቂ ጐይታኹም ሒዝኩም፥ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ኢይዝራኤል ናባይ ኣምፅኡለይ” ኢሉ መልእኽቲ ፀሓፈሎም። እቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ።
7
እታ መልእኽቲ ምስ በፅሐቶም፥ ነቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ፥ ሒዞም ሓረድዎም፤ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ኢይዝራኤል ናብ ኢዩ ሰደድዎ።
8
ልኡኽ መፂኡ ኸዓ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምፂኦምዎ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ “ክሳዕ ፅባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ።
9
ንፅባሒቱ ወፂኡ ድማ ነቲ ዅሉ ህዝቢ “ንጐይታይ ሻራ ዝገበርኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ንፁሃት ኢኹም። ነዚኣቶም ኵሎም ደኣ መን ቀተሎም?
10
እምበኣርከስ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ዝተዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ፈፀሞ” በሎም።
11
ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
12
ድሕሪዙይ ኢዩ ኻብ ኢይዝራኤል ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ሰማርያውን ከደ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ዘላ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ናብ እትበሃል ቦታ ምስ በፅሐ፥
13
ነሕዋት ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ “ንስኻትኩም እንመን ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ኣሕዋት ኣካዝ ኢና፤ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣለና” በልዎ።
14
ንሱ ኸዓ “ብህይወቶም ሓዝዎም” በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰባት ከዓ ብህይወቶም ሒዞም ኣብቲ ጥቓ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ኣብ ዘሎ ዒላ ሓረድዎም፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።
15
ኢዩ ኻብኡ ምስ ሓለፈ፥ ንኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ መንገዲ ረኸቦ፤ ሰላም ምስ በሎ ድማ “ኣነ ኸምቲ ናትካ እየ ዝሓስብ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ሓሳባተይ ድዩ ሓሳብካ?” በሎ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ፥ ከምኡ እዩ” በሎ። “ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸዓ ናብኡ ኣደየቦ።
16
“ምሳይ ነዓ እሞ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘለኒ ቕንኣት ረአ” ድማ በሎ። ኣብ ሰረገላ ተቐሚጦም ከዓ ብሓደ ኸዱ።
17
ናብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ ኢዩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል ካብ ኣዝማድ ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዅሎም ቀተሎም።
18
ኢዩ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኪቡ “ኣክኣብ ንበዓል ቁሩብ እዩ ዘገልገሎ፤ ኢዩ ግና ኣብዚሑ ኸገልግሎ እዩ።
19
ሕዚ ኸዓ፥ ንጣዖት በዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣለኒ እሞ፥ ንዅሎም ነቢያት በዓልን፥ ንኵሎም ኣገልገልቱን ንኵሎም ካህናቱን ፀውዑለይ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፍ፤ ዝተርፍ እንተ ሃልዩ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” በሎም። እዙይ ግና ኢዩ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ምእንቲ ኸጥፍኦም ኢሉ ዝሓሰቦ ተንኰል ነበረ።
20
ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ።
21
ኢዩ ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል ለኣኸ፤ ኣገልገልቲ በዓል ከዓ ዅሎም መፁ፤ እንተይመፀ ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን። ናብ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ኣተዉ፤ ቤት ጣዖት በዓል ከዓ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት።
22
ነቲ ሓላዊ ቅዱሳት ኣልባስ ድማ “ንዅሎም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ኣልባስ ኣውፅአሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣልባስ ኣውፅአሎም።
23
ሽዑ ኢዩ ምስ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ፥ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣተዉ እሞ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል “ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ሓደ ኸይህሉ ኣስተብሂልኩም ረአዩ” በሎም።
24
ኢዩን ኢዮናዳብን ከዓ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን ክስውኡ ኣተዉ። ኢዩ ግና ሰማንያ ሰብ ብወፃኢ ኣቐሚጡ “ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፥ ክንዲ እቲ ዘምለጠ፥ እቲ ኸምልጥ ዝገበረ ሰብ ክቕተል እዩ” ኢልዎም ነበረ።
25
ኢዩ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈፀመ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን “እተዉ፤ ቅተልዎም! ሓደ ሰብ እኳ ኸየምልጥ” በሎም። እቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም፤ ካብታ ቤት ጣዖት በዓል ኣውፂኦም ነቲ ሬሳኣቶም ደርበይዎ እሞ ናብ ከተማ ቤት ጣዖት ኣተዉ።
26
ነቲ ኣብ ቤት ጣዖት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከዓ ኣውፂኦም ኣንደድዎ።
27
ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፤ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ መውፅኢ ቐልቀል ገይሮምዋ ኣለዉ።
28
ኢዩ ኸምዙይ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍአ።
29
ግና ካብቲ ንእስራኤል ዝስሐተ ካብ ኢዮርብዓም ወዲናባጥ ሓጢኣት፥ ኣብ ቤቴልን ኣብ ዳንን ካብ ዝነበሩ ምስሊ ወርቂ ምራኹት ኢዩ ኣይረሓቐን።
30
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዩ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዝኾነ ኣፀቢቕካ ስለ ዝገበርካ፥ ንቤት ኣክኣብውን ከምቲ ዅሉ ኣብ ልበይ ዝነበረ ስለ ዝገበርካያ፥ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” በሎ።
31
ግና ኢዩ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፤ ከምቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ኣይረሓቐን።
32
በቲ ጊዜ እቱይ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክኸፋፍሎም ጀመረ። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ንእስራኤል ኣብ ኵሉ ወሰናቶም ወቕዖም።
33
ነታ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ዝቕመጡላ፥ ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ዘላ ዅላ ምድሪ ገለዓድ ሰዓራ። ካብታ ኣብ ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንገለዓድን ንባሳንን ከዓ ሰዓረን።
34
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዩ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
35
ኢዩ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣካዝ ነገሰ።
36
ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ነገሰ።
← Chapter 9
Chapter 11 →