bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 7
2 Kings 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኤልሳዕ ድማ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ቓል ስምዑ” በለ። “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ሰማርያ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ክሽመት እዩ።”
2
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
3
ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ለምፂ ዝሓዞም ኣርባዕተ ሰባት ነበሩ። ንስንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዙይ እንቕመጥ?
4
ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፥ ኣብ ከተማ ጥሜት ስለ ዘሎ፥ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፤ ኣብዙይ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና። እምበኣር ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንኺድ፤ ብህይወት እንተ ሓደጉና ብህይወት ንነብር፤ እንተ ቐተሉና ኸዓ ንመውት” ተበሃሃሉ።
5
ፅልግልግ ምስ በለ ድማ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።
6
ኣምላኽ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ድምፂ ሰረገላታትን ድምፂ ኣፍራስን ድምፂ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፥ ንስንሳቶም “እንሆ፥ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ግብፃውያንን ዓሲቡ ናባና ኣምፂእዎም እዩ” ተበሃሃሉ።
7
ፅልግልግ ምስ በለ ኸዓ ተሲኦም ሃደሙ። ድንኳናቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮምን ከም ዘሎ ሓዲጎም ህይወቶም ከድሕኑ ሃደሙ።
8
እቶም ለምፃማት እቲኣቶም፥ ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፤ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፤ ከይዶም ከዓ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፤ ካብኡ ኸዓ ወሰዱ፤ ከይዶምውን ሓብእዎ።
9
ሽዑ ንስንሳቶም “እዝ ንሕና እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ኣይኮነን፤ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ብስራት እያ፤ ንሕና ኸዓ ስቕ ኢልና ኣለና፤ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ እንተ ፀናሕና ድማ ኽንቅፃዕ ኢና። ሕዚ ኸዓ ንኺድ እሞ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ንንገር” ተበሃሃሉ።
10
መፂኦም ድማ ንሓለውቲ ደገ እታ ኸተማ ፀዊዖም “ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፤ ኣብኡ ኸዓ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳናትውን ከም ዘለዎ እምበር፥ ሰብ ኮነ፤ ድምፂ ሰብ የለን” ኢሎም ነገሩ።
11
እቶም ሓለውቲ ኸዓ ፀዊዖም ነገሩ፥ እቲ ነገር ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተሰምዐ።
12
እቲ ንጉስ ከዓ በታ ለይቲ እቲኣ ተሲኡ ንሹመኛታቱ “እቶም ሶርያውያን ብዛዕባና እንታይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ኽነግረኩም፥ ንሕና ብጥሜት ንመውት ከም ዘለና ስለ ዝፈለጡ፥ ‘ካብ ከተማ ምስ ወፁ፤ ብህይወቶም ክንሕዞም ኢና፤ ናብ ከተማ ኸዓ ኽንኣቱ ኢና’ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ካብ ሰፈር ወፂኦም ኣብ በረኻ ተሓቢኦም ኣለዉ” በሎም።
13
ሓደ ኻብ ሹመኛታቱ ድማ፦ “ኣብዝ ኸተማ ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ፥ ከምቶም ቅድሚ ሕዚ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሞት ዝተርፍ የለን፥ ስለዙይ እቲ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጥ ካብዞም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ሓሙሽተ ኣፍራስ ጌርና ዝስልሉ ንስደድ ንርአውን” ኢሉ መለሰ።
14
ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፤ እቲ ንጉስ ድማ “ኪዱ እሞ እንታይ ከም ዘሎ ርአዩ” ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም።
15
ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኣቶም ከዱ። እንሆ ኸዓ፥ እቶም ሶርያውያን ዝሓለፍዎ መንገዲ ዅሉ ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቑሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።
16
ሽዑ እቲ ህዝቢ ወፂኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ወረሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቓል ድማ፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ከዓ ብሓደ ቕርሺ ብሩር ተሸመተ።
17
እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ዋና ሓሽከሩ ነቲ ኣፍ ደገ ኽሕሉ ኣቖሞ። ግና እቲ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ፥ ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተዛረቦ ቓል፥ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረጊፆም ቀተልዎ።
18
ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ንንጉስ “ፅባሕ ከምዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሽዱሽተ ኺሎ ግራም ስገም ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ሰለስተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ቕርሺ ብሩር፥ ክሽመት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ኸዓ ኾነ።
19
እቲ ዋና ሓሽከር ንጉስ፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ኣይኸውንን እዩ” ኢሉ መሊሱ ነበረ። ኤልሳዕውን “እንሆ በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን ኢኻ” ኢልዎ ነበረ።
20
ከምኡ ድማ ኾነ፤ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገፅዎሞ ሞተ።
← Chapter 6
Chapter 8 →