bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 6
2 Kings 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቶም ደቂ ነቢያት ንኤልሳዕ “እንሆ እዛ ኣብ ቅድሜኻ እንነብረላ ዘለና ቦታ ፀቢባትና ኣላ።
2
ስለዙይ ናብ ዮርዳኖስ ክንከይድ እሞ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓድሓደ ኦም ሰርወ ኣምፂእና ኣብኡ እንነብረሉ ስፍራ ኽንሰርሕ ፍቐደልና” በልዎ። ንሱ ድማ “ኪዱ” በሎም።
3
ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ንኤልሳዕ “በይዛኻ ንስኻውን ምሳና ምስ ሓሻኽርካ ኺድ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ሕራይ እኸይድ” በለ፤
4
ምስኣቶምውን ከደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ በፅሑ ድማ ኦም ክቘርፁ ጀመሩ።
5
ሓደ ኻብኣቶም ኦም ክቘርፅ እንተሎ፥ እቲ ምሳር ነፂሉ ናብ ማይ ጠለቐ። ሽዑ ዓው ኢሉ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ እየ ዝገብሮ? ኣቕሓ ልማኖ እዩ” ኢሉ ኣእወየ።
6
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ “ኣበይ ወዲቑ?” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ነታ ቦታ ኣርኣዮ። ሽዑ ኤልሳዕ ዕንፀይቲ ቘሪፁ ናብኣ ደርበዮ፤ እቲ ምሳር ከዓ ፀለል በለ።
7
ሽዑ ድማ “ውሰዶ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዶ።
8
ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምስቶም ሓሻኽሩ ተማኺሩ ኸዓ ተሓቢእና ኣብዙይ ክንሰፍር ኢና በለ።
9
ኤልሳዕ ከዓ ንንጉስ እስራኤል “ሶርያውያን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣድቢዮም ኣለዉ እሞ ብኣኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ” ኢሉ ለኣኸሉ።
10
ስለዙይ ንጉስ እስራኤል ነታ ብናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝተነግረቶ ቦታ ይሕልዋ ነበረ። ኤልሳዕ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነበረ እሞ፥ ኣብኡ ርእሱ ኣድሓነ።
11
ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዙይ ተሸበረ፤ ነቶም ሹመኛታቱ ፀዊዑ ኸዓ “ካባናስ ምስ ንጉስ እስራኤል ርክብ ዘለዎ መን ከም ዝኾነዶ ኣይትነግሩንን?” በሎም።
12
ሓደ ኻብቶም ሹመኛታቱ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ! ከምኡ ኣይኮነን፤ ግና ኤልሳዕ፥ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነቢይ፥ እቲ ኣብ መደቀሲኻ ኾይንካ ዝተዛረብካዮ ዘረባ እኳ ንንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ” በሎ።
13
ንጉስ ሶርያ ድማ “ልኢኸ ኸምፅኦስ፥ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ረአዩ” በለ። ንሳቶም ከዓ “ኣብ ዶታይን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
14
ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ናብኣ ሰደደ፤ ብለይቲ መፂኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
15
እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ።
16
ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።
17
ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ምእንቲ ኽርእስ ኣዒንቱ ኽፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ከዓ ኣዒንቲ እቲ ሓሽከሩ ኸፈተ እሞ ረአየ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
18
እቶም ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ኣቢሎም ምስ ወረዱ ኸዓ ኤልሳዕ “እልምነካ ኣለኹ፤ ነዚ ህዝቢ እዙይ ኣዕውሮ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳዕ ድማ ኣዕወሮ።
19
ሽዑ ኤልሳዕ “መንገዲ ተጋጊኹም፥ እታ ኸተማ ኸዓ እዚኣ ኣይኮነትን። ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምስ ደድሕረይ ሰዓቡ” በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ መርሖም።
20
ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ኤልሳዕ “ኦ እግዚኣብሄር! ምእንቲ ኽሪኡስ ኣዒንቶም ክፈት” ኢሉ ፀለየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ፥ ኣብ ማእኸል ሰማርያ ኸም ዘለዉ ረአዩ።
21
ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከዓ ንኤልሳዕ “ኣቦይ! ክቐትሎምዶ? ክቐትሎምዶ?” ኢሉ ጠየቖ።
22
ንሱ ድማ “ኣይትቕተሎም፥ ነቲ ብሰይፍኻን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮ ሰብ እኳ ዘይትቐትሎ! እኳ ደኣ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ክምለሱስ እንጀራን ማይን ኣቕርበሎም” በሎ።
23
ንሱ ኸዓ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፤ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ ኣፋነዎም። ናብ ጐይታኦም ከዓ ኸዱ። ድሕሪኡ ሰራዊት ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ሓደጋ ኸውድቑ ኣይመፁን።
24
ድሕሪዙይ፥ ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ዅሉ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ እሞ፥ ንሰማርያ ኸበባ።
25
ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እንሆ ድማ፥ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ቕርሺ ብሩር፥ ኵስሒ ርግቢ ኸዓ ብሓሙሽተ ቕርሺ ብሩር ክሳዕ ዝሽየጥ፥ ከበብዋ።
26
እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ዓው ኢላ “ጐይታይ ንጉስ! ርድአኒ” በለቶ።
27
ንሱ ኸዓ “እግዚኣብሄር ዘይረድአክስ፥ ኣነ ደኣ ኻብ ምንታይ ክረድአኪ? ካብ ዓውዲ ድዩ ወይ ካብ መፅመቊ” በላ።
28
መሊሱ ኸዓ “እንታይከ ዄንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ኸዓ “እዛ ሰበይቲ እዚኣ ‘ንወድኺ ሎሚ ኽንበልዖ ኣምፅእዮ፤ ንወደይ ከዓ ፅባሕ ክንበልዖ ኢና’ በለትኒ።
29
ሽዑ ንወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ‘ወድኺ ሃቢ፥ ክንበልዖ’ በልክዋ። ንሳ ግና ንወዳ ሓብአቶ” በለት።
30
እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ እንተሎ ኸዓ፥ እንሆ፥ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ወጮ ኸም ዝነበሮ እቲ ህዝቢ ረአየ።
31
ንሱ ድማ “ርእሲ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ሓዲራ፥ ኣምላኽ ከምዙይ ይግበረኒ ኸምዙይውን ይወስኸኒ” ኢሉ መሓለ።
32
ኤልሳዕ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፤ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከዓ ቐቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ እንተይበፅሐ እንተሎ፥ ኤልሳዕ ነቶም ዓበይቲ “እዝ ወዲ ቐታሊ ሰብ፥ ርእሰይ ክቘርፅ ሰብ ከም ዝለኣኸዶ ትሪኡ ኣለኹም? እቲ ልኡኽ ምስ መፀ፥ ከም ዘይኣቱ ጌርኩም ነቲ ማዕፆ ሸጕርዎ። ደድሕሪኡ ኸዓ እንሆ እቲ ንጉስ ይመፅእ ኣሎ” በሎም።
33
ኤልሳዕ ገና ምስኣቶም እናተዛረበ እንተሎ፥ እንሆ እቲ ልኡኽ መፀ። “እዝ መከራ እዙይ ካብ እግዚኣብሄር እዩ፤ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር ዝፅበየሉስ እንታይ ኣለኒ?” ኢሉ ተዛረቦም።
← Chapter 5
Chapter 7 →