bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 5
2 Kings 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ።
2
ካብ ሃገር ሶርያውያን ሓደጋ ዘውድቑ መፂኦም ነበሩ፤ ካብ ምድሪ እስራኤል ድማ፥ ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ማሪኾም ወሲዶም ነበሩ። ንሳ ኸዓ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኮይና ነበረት።
3
ንሳ ንእምበይተኣ “ጐይታይስ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነቢይ እንተ ዝኸይድ ካብ ለምፁ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።
4
ንእማን ከዓ ኣትዩ ንጐይታኡ፥ እታ ኻብ ሃገር እስራኤል ዝመፀት ጓል፥ ከምዙይን ከምዙይን ኢላ ተዛሪባ ኢሉ ነገሮ።
5
እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ “እምበኣርከስ ኪድ፤ ኣነ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል መልእኽቲ ኽሰደሉ እየ” በሎ። ሽዑ ንሱ ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ወርቅን ዓሰርተ ቕያር ክዳውንትን ሒዙ ኸደ።
6
እታ መልእኽቲ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብፅሐሉ። ንሳ “እንሆ ንእማን ሓሽከረይ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ሒዙ ይመፀካ ኣሎ እሞ፥ ካብ ለምፁ ኸም ዝሓዊ ግበር” እትብል ነበረት።
7
እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ።
8
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኤልሳዕ፥ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ? እቲ ሰብኣይ ኣብ እስራኤል ነቢይ ከም ዘሎ ኽፈልጥስ ናባይ ይምፃእ” በሎ።
9
ስለዙይ ንእማን በፍራሱን ብሰረገላታቱን መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳዕ ደው በለ።
10
ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ።
11
ንእማን ግና ዀርዩ ክኸይድ ተልዓለ እሞ “እንሆ፥ ኣነስ ብርግፅ ወፂኡ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ለምፂ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ።
12
ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልስ እቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ኣባናን ፋርፋን ዝበሃሉ ሩባታትዶ ግዳ ኣይበልፁን፤ ኣብኡ ተሓፂበዶ ኣይምሓወኹን?” በለ። ተቘጢዑ ድማ ተመሊሱ ኸደ።
13
ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ።
14
ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ።
15
ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።
16
ኤልሳዕ ግና “በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ኣይቅበለካን እየ” በሎ። ንእማን ድማ ኽቕበሎ ግዲ በሎ። ኤልሳዕ ግና ኣበየ።
17
ሽዑ ንእማን “እዙይ ምቕባል ካብ ኣበኻኒ ንኣይ ንሓሽከርካ ኽልተ ፅዕነት በቕሊ መሬት በይዛኻ ሃበኒ። ድሕሪ ደጊምስ ኣነ ሓሽከርካ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እየ።
18
ግና ጐይታይ ንጉስ ኣብ ቤት ጣዖት ሪሞን ኣትዩ ኽሰግድ እንተሎ ንኣይ ተመርኲሱ ስለ ዝሰግድ ኣነ ድማ ምስኡ እሰግድ እየ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንሓሽከርካ ይቕረ ይበለለይ፤ በዙይስ እግዚኣብሄር ከም በደል ኣይቝፀረለይ” በለ።
19
ኤልሳዕ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ኸዓ ቑሩብ መንገዲ ኸደ።
20
ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
21
ሽዑ ግያዝ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ከዓ ደድሕሪኡ ኽጐዪ ምስ ረአዮ፥ ክቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ “ብዳሕናኻዶ?” በሎ።
22
ግያዝ ድማ “ደሓን፥ ጐይታይ ‘እንሆ ኽልተ መንእሰይ ማሕበር ደቂ ነቢያት ካብ ደጕዓ ኤፍሬም ሕዚ መፂኦምኒ እሞ፥ በይዛኻ፥ ንኣኣቶም ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ክልተ ቕያር ክዳንን ሃቦም’ ኢሉ ጐይታይ ልኢኹኒ” በሎ።
23
ንእማን ከዓ “አረ ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ውሰድ” ኢሉ ግዲ በሎ። ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጢት ኣሲሩ፥ ከምኡውን ክልተ ቕያር ክዳውንትን ገይሩ ንኽልተ ሓሻኽሩ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተሰኪሞምዎ ቐቅድሚ ግያዝ ከዱ።
24
ኣብታ ኤልሳዕ ዘለዋ ዀረብታ ምስ በፅሑ ኸዓ ተቐቢሉ ኣብ ገዛኡ ኣንበሮ፤ ነቶም ሓሻኽር ንእማን ድማ ኣፋነዎም እሞ ኸዱ።
25
ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።
26
ንሱ ድማ “ንእማን ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ኽቕበለካ እንተሎዶ ልበይ ምሳኸ ኣይከደን? ሎሚ ብሩርን ክዳውንትን ቦታ ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓሻኽርን ኣግራድን እተጥርየሉ ጊዜ ድዩ?
27
እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ።
← Chapter 4
Chapter 6 →