bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 4
2 Kings 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት።
2
ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።
3
ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ።
4
ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ።
5
ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት።
6
ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ።
7
ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ።
8
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።
9
ንሰብኣያ ኸዓ “እዝ ዅልሻዕ በዙይ ዝሓልፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ።
10
እምበኣር በይዛኻ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽተይ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ጠረጴዛን ወንበርን ቀዋሚ ቐንዲልን ንግበረሉ። ናባና እንትመፅእ ድማ ኣብኣ ክሓድር እዩ” በለቶ።
11
ኤልሳዕ ከዓ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱነም መፀ፤ ናብታ ቤት ኣትዩ ድማ ኣብኣ ደቀሰ።
12
ንግያዝ ሓሽከሩ ድማ “ነታ ሱናማዊት ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ኸዓ መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።
13
ኤልሳዕ ከዓ ንሓሽከሩ “እንሆ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዘርአኽና ሓልዮት እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊትዶ ዝጥየቕ ኣለኪ ክነግረልኪ? በላ” በሎ። ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት።
14
ኤልሳዕ ድማ ንግያዝ “እንታይ ደኣ እሞ ኽገብረላ እየ” ኢሉ ጠየቖ። ግያዝ ከዓ “ውሉድ የብላን፤ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
15
ኤልሳዕ ከዓ “ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ደው በለት።
16
ንሱ ኸዓ “ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ። ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ጐይታይ! ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ንገረድካ ከይትሕስወኒ እልምነካ ኣለኹ” በለቶ።
17
እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት።
18
እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ምስቶም ዓፃዶ እንተሎ ናብኡ ኸደ።
19
ብድንገት ከዓ ነቦኡ “ርእሰይ፥ ርእሰይ” በሎ። ኣቦኡ ድማ ንሓሽከሩ “ሓንጊርካ ናብ እኖኡ ውሰዶ” በሎ።
20
ሓንጊሩ ኸዓ ናብ እኖኡ ወሰዶ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ሓቚፋቶ ፀንሐት እሞ ሽዑ ሞተ።
21
ንሳ ኸዓ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ማዕፆውን ሸጒራቶ ወፀት።
22
ንሰብኣያ ፀዊዓ ድማ “ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብጕያ በፂሐ ኽምለስስ፥ በይዛኻ፥ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልትናን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ።
23
ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።
24
ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ።
25
ተልዒላ ድማ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ እምባ ቀርሜሎስ ከደት። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፥ ንሓሽከሩ ንግያዝ፥ “እታ ሱናማዊት ሰበይቲ፥ እንሆ ትመፅእ ኣላ።
26
በይዛኻ፥ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ‘ድሓን ዲኺ? ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ? እቲ ወድኺኸ ደሓንዶ ኣሎ?’ በላ” በሎ። ንሳ ድማ “ደሓን ኣለና” በለት።
27
ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ።
28
ንሳ ኸዓ “ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ለሚነ ነይረ እየ? ኣነውን ኣይተታልለኒዶ ኣይበልኩኻን እየ” በለቶ።
29
ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።
30
እኖ እቲ ቘልዓ ኸዓ ንኤልሳዕ “ምሳይ እንተ ዘይኬድካስ ሓዲገካ ኸም ዘይከይድ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለቶ። ኤልሳዕ ድማ ተሲኡ ደድሕሪኣ ሰዓበ።
31
ግያዝ ከዓ ቐዲምዎም ሓሊፉ፥ ነታ በትሪ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፤ እቲ ቘልዓ ግና ድምፂ ወይ ምስማዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ግያዝ ንኤልሳዕ ክራኸቦ ተመለሰ፤ “እቲ ቘልዓ ኣይተስአን” ኢሉ ኸዓ ነገሮ።
32
ኤልሳዕ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፥ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ፀንሖ።
33
ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ነቲ ማዕፆ ሸጐሮ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ።
34
ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ።
35
ኤልሳዕ ድማ ኣብታ ቤት ሓደሻዕ ናብዙይ ሓደሻዕ ናብቱይ እናበለ ተዛወረ፤ መሊሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሸውዓተ ሻዕ ለጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ።
36
ሽዑ ኤልሳዕ ንግያዝ ፀዊዑ “ነታ ሱነማዊት ፀውዓያ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ፀውዓ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ “እንሆ ወድኺ” ኣልዒልኪ ውሰዲ በላ።
37
ኣትያ ኸዓ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ድማ ወፀት።
38
ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ።
39
ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ሓምሊ ኽሓምል ናብ በረኻ ወፀ፤ ሃረግ በረኻ ድማ ረኸበ፤ ካብኡ ኸዓ ቘፅሊ በረኻ ኣኪቡ ኽዳኑ መሊኡ ተመለሰ፤ ቀርዲዱ ከዓ ናብቲ ናይ ፀብሒ ቝራዕ ኣእተዎ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጡን።
40
ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሐሎም። ካብቲ ፀብሒ ኽበልዑ እንተለዉ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዝ ቍራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን።
41
ሽዑ ኤልሳዕ “ሕሩጭ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣብቲ ቝራዕ ኣእትዩ ድማ “ምእንቲ ኽበልዑ፥ ነቶም ህዝቢ ፅብሑሎም” በለ። ድሕሪቱይ ኣብቲ ቝራዕ ክፉእ ነገር ኣይተረኽበን።
42
በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።
43
እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ።
44
ሽዑ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረበሎም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ በሊዖም ኣትረፉ።
← Chapter 3
Chapter 5 →