bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 24
2 Kings 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዘመን ኢዮኣቄም፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፀ። ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝአሉ። ግና መሊሱ ዓመፀ።
2
እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ።
3
እዙይ ከዓ ብሰንኪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ እግዚኣብሄር ንይሁዳ ኻብ ገፁ ከወግዳ ስለ ዝኣዘዘ እዩ።
4
ብፍላይ ድማ ንፁህ ደም ብምፍሳስ፥ ንኢየሩሳሌም ብደም ስለ ዝመልኣ እዩ። በዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንምናሴ ክርህርሀሉ ኣይደለየን።
5
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ከዓ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
6
ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
7
ነቲ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ዝኾነ፥ ካብ ሩባ ግብፂ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረሞ፥ ድሕሪዙይ ንጉስ ግብፂ ምስ ሰራዊቱ ኻብ ሃገሩ ወፂኡ ኣይፈልጥን።
8
ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ኔስታ እትበሃል ጓል ኤልናታን በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።
9
ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
10
ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ።
11
እቶም ሰራዊት ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መፀ።
12
ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ።
13
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ።
14
ንህዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብሙሉኦም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዋጋእትን ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ብሙሉኦም ዓሰርተ ሽሕ ማሪኹ ወሰደ፤ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ፥ እንትርፊ እቶም ድኻታት፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
15
ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
16
ናቡከደነፆር ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ንውግእ ዝበቕዑ ተዋጋእቲ፥ ሽሕ ዝኾኑ ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ንዅሎም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
17
ከምኡውን ናቡከደነፆር ንማታንያ፥ ሓወቦኡ ንኢኮንያን፥ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። ስሙ ድማ ሴዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
18
ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓልቲ ሊብና ነበረት።
19
ንሱውን ከምቲ ዅሉ ኢዮኣቄም ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
20
እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
← Chapter 23
Chapter 25 →