bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 23
2 Kings 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ናብኡ ኣከቦም።
2
እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ካህናትን ነቢያትን ብምሉኡ ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ናይ ቃል ኪዳን መፅሓፍ ቃል ብምሉኡ ኣብ እዝኖም ኣንበበሎም።
3
ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ክኽተል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ። እቶም ህዝቢ እውን ነቲ ኺዳን ክሕልውዎ ቃል ኪዳን ኣተዉ።
4
እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስን ነቶም ትሕቲኡ ዝኾኑ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ነቲ ንጣዖታት በዓልን ኣስታሮትን ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክኸውን ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከውፅእዎ ኣዘዞም፤ ኣብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ኣብ ለሰ ቄድሮን ከዓ ኣቃፀሎ፤ ነቲ ሓሙዅሽቲውን ናብ ቤቴል ወሰዶ።
5
ነቶም ነገስታት ይሁዳ፥ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኽዓጥኑ ዝመደብዎም ካህናትን፥ ነቶም ንጣዖት በዓልን ንፀሓይን ንወርሕን ንእኩብ ከዋኽብትን ንኻልኦት ሰራዊት ሰማይን ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናትን ድማ ኣወገዶም።
6
ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወፃኢ ኢየሩሳሌም ናብ ለሰ ቄድሮን ኣውፂኡ ኣቃፀሎ፤ ኣድቂቑ ሓመድ ገበሮ፤ ኣብቲ ህዝቢ ዝቕበረሉ መቓብር ከዓ በተኖ።
7
ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ሰዶማውያን ኣፍረሰን። እዙይ ኣንስቲ ኣብኣተን ኮይነን ንጣዖት ኣስታሮት ዝኸውን መጋረጃ ዝኣልማሉ ዝነበራ እዩ።
8
ንጉስ ኢዮስያስ ንዅሎም ካህናት ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውፂኡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦም፤ ነቲ ንሳቶም ንጣዖት ዝዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸዓ ኻብ ገባዖን ጀሚሩ ኽሳዕ ቤርሳቤህ ኣርከሶ፤ ነቲ ደገታት፥ ኣብ ኣፍ ደገ ኢያሱ መራሒ እታ ኸተማ ዝነበረ፥ ነቲ ብፀጋም ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ ጣዖትውን ኣፍረሶ።
9
እዞም ኣብ በረኽቲ ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኻህናት ግና፥ ምስ ኣሕዋቶም ካህናት ኮይኖም ደኣ መባዅዕቲ ዘይኣተዎ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፥ ናብቲ መሰውኢ ኸገልግሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣትዉን ነበሩ።
10
ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንጣዖት ሞሎክ ብሓዊ ምእንቲ ኸይስውእ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ሄኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ።
11
ነቶም ነገስታት ይሁዳ ንኣምልኾ ፀሓይ ዝወፈይዎም፥ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቅፅሪ ቤተ መቕደስ፥ ኣብታ ናታንሜሌክ ዝበሃል ስሉብ ዝነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣወገዶም። ነቲ ሰረገላታት ፀሓይውን ብሓዊ ኣቃፀሎ።
12
እቲ ንጉስ፥ ነቲ ነገስታት ይሁዳ ኣብ ናሕሲ ኣዳራሽ ኣካዝ ዝገበርዎ መሰውኢታትን፥ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ኣፍረሶ፤ ኣድቀቖውን፤ ነቲ ሓመዱ ኸዓ ኣብ ለሰ ቄድሮን በተኖ።
13
ንጉስ ኢዮስያስ፥ ነቲ ብምብራቕ ኢየሩሳሌም፥ ብደቡብ ዀረብታ ጥፍኣት፥ ዝነበረ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ፥ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል፥ ነታ እተፀይፍ ኣስታሮት ጣዖት ሲዶናውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ካሞሽ ጣዖት ሞኣባውያንን፥ ነቲ ዘፀይፍ ሚልኮም ጣዖት ደቂ ኣሞን ሰሪሑሎም ዝነበረ ኣርከሶ።
14
ነቲ ዓምድታት ኣእማን ሰባበሮ፤ ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ኣፍረሶ፤ ነቲ ቦታኦም ከዓ ኣዕፅምቲ ሰብ መልኦ።
15
ንጉስ ኢዮስያስ ነቲ ኣብ ቤቴል ኣብቲ በሪኽ ዝነበረ መምለኽን መሰውኢን ኣፍረሶ። እዝ መሰውኢ እዙይ እቲ ንእስራኤል ናብ ሓጢኣት ዝመርሖም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ዝሰርሖ ነበረ። ነቲ ኣእማኑ ኣድቂቑ፥ ከም ሓመድ ገበሮ። ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣቃፀሎ።
16
ኢዮስያስ ከዓ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኣብ ኰረብታ ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕፅምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፥ ከምቲ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ፤ ኣርከሶውን።
17
ኢዮስያስ ድማ “እዝ ዝሪኦ ዘለኹ ሓወልቲ መቓብርከ እንታይ እዩ?” በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸዓ “እዝ መቓብር እዙይ ናይቲ ኻብ ይሁዳ ዝመፀ እሞ ብዛዕባ እዝ ኣብ ቤቴል ዝነበረ ዘፍረስካዮ መሰውኢ ዝተነበየ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዩ” በልዎ።
18
ንሱ ድማ “ሕደጉ፥ ኣይትንክእዎ” በሎም። ስለዙይ ኣዕፅምቱ ኣይተነኽአን ኣዕፅምቲ ናይቲ ኻብ ሰማርያ ዝመፀ ነቢይውን ምስኡ ተረፈ።
19
ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፥ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከቘጥዕዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኵለን በረኽቲ መስገዲታት ድማ ኢዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ኸምቲ ኣብ ቤቴል ዝገበሮ ገበረን።
20
ንዅሎም ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣብ በረኽቲ ንጣዖት ዘገልግሉ ኻህናት ከዓ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መሰውኢታት ድማ ኣዕፅምቲ እቶም ሰባት ኣቃፀለ። ካብኡ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
21
እቲ ንጉስ ከዓ ንዅሉ ህዝቢ “ከምቲ ኣብዝ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋሲካ ግበሩ” ኢሉ ኣዘዞም።
22
ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝመርሑሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸዓ፥ ብዅሉ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዙይ ዝበለ ፋሲካ ኣይተብዓለን።
23
ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ እዝ በዓል እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተብዓለ።
24
ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ኻህን ኬልቅያስ ዝረኸቦ መፅሓፍ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ሕጊ ምእንቲ ኽፍፀም ኢሉ ነቶም ንመናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑ ንጠንቈልትን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣማልኽትን ንጣዖታትን ንዅሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣቑሑን ኣወገዶ።
25
ከምቲ ዅሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብምሉእ ልቡን ብምሉእ ነፍሱን ብምሉእ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር ዝተመለሰ ንጉስ ኣይነበረን፤ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተስአን።
26
ግና በቲ ምናሴ ዝገበሮ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ነዲዱ ነበረ፤ ሕዚ እውን እንተ ኾነ ኻብ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን።
27
እግዚኣብሄር ድማ “ከምቲ ንእስራኤል ዘርሓቕክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድመይ ከርሕቖ እየ፤ ነዛ ዝሓረኽዋ ኸተማ ኢየሩሳሌምን ነዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልክዋ ቤትን ከዓ ኽድርብየን እየ” በለ።
28
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
29
ብዘመን መንግስቲ ኢዮስያስ ፈርዖን ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ንንጉስ ኣሶር ክዋግኦ ናብ ሩባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኽከላኸሎ ወፀ፤ ኒካዑ ኸዓ ተዋግኦ እሞ ኣብ መጊዶ ቐተሎ።
30
ሓሻኽሩ ድማ ብምዉቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ፤ ኣብ መቓብሩ ኸዓ ቐበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንኢዮኣካዝ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፤ ክንዲ ኣቦኡ ኸዓ ኣንገስዎ።
31
ኢዮኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት።
32
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
33
ንጉስ ኒካዑ ድማ ንኢዮኣዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ እትበሃል ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ።
34
ንኤልያቂም ወዲ ኢዮስያስ ድማ ኽንዲ ኣቦኡ ኢዮስያስ ኣንገሶ። ስሙ ኸዓ ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ። ንኢዮኣካዝ ግና ናብ ግብፂ ኣፍለሶ፤ ኣብኣ ድማ ሞተ።
35
ኢዮኣቄም ከዓ ንኒካዑ ንጉስ ግብፂ ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ከምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብ ግና ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ብፅሒቱ ኣኽፈሎ።
36
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዘቢዳ እትበሃል ጓል ፈዳያ በዓልቲ ሩማ ነበረት።
37
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ዅሉ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
← Chapter 22
Chapter 24 →