bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 25
2 Kings 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ብታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ብዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ መፂኡ ንኢየሩሳሌም ከበባ። ብዙርያኣ ድማ ዕርዲ ነደቑላ።
2
እታ ኸተማ ድማ ንሴዴቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመቱ ተኸቢባ ነበረት።
3
ካብታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ እንጀራ ተስኣነ።
4
እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ እንተለዉ፥ ቅፅሪ እታ ኸተማ ብሓደ ወገን ኣፍረሱ። እቲ ንጉስን እቶም ሓሻኽሩን ብለይቲ በቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣቢሎም፥ ብመንጎ እቲ ኽልተ መካበቢያ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓለፉ። ናብ ለሰ ዮርዳኖስ ኣቢሎም ከዓ ብለይቲ ሃደሙ።
5
እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ፤ ኵሎም ሰራዊቱ ድማ ኻብኡ ፋሕ በሉ።
6
ሽዑ ንሴዴቅያስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፤ ንጉስ ባቢሎን ከዓ ፈረዶ።
7
ንደቂ ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፤ ንሴዴቅያስ ከዓ ኣዒንቱ ኣዕወርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
8
ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመቱ፥ ብሻውዐይቲ መዓልቲ ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ሓሻኽር ንጉስ ባቢሎን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
9
ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንኣባይቲ ዓበይቲ ሰባትን ብሓዊ ኣባርዐን።
10
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ከለዳውያን ከዓ ንመካበብያታት ኢየሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረስዎ።
11
ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ዝተፀግዑን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።
12
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ግና ነቶም ድኻታት እታ ሃገር፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
13
እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ መቐመጢ ኣቑሑን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ጋብላ ነሃስን ሰባበርዎ። ነቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
14
ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪያታትን ካራታትን ፅዋዓትን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣቑሑን ወሰድዎ።
15
እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ ነቲ ብወርቅን ብብሩርን ዝተሰርሐ ዅሉ ፅንሃሃትን ጭሐሎታትን ወሰዶ።
16
እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓምድን ሓደ ጋብላን መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑን ዝተሰርሐሉ ነሃስ ዓብዪ ስለ ዝነበረ ኽመዝንዎ ኣይከኣሉን።
17
ቁመት እቲ ሓደ ዓምዲ ዓሰርተ ሸሞንተ እመት ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጕልላት ነበሮ፤ ቁመት እቲ ጉልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ፤ ነቲ ጕልላት ከዓ ብዙርያኡ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ነበሮ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብነሃስ ዝተገብረ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓምዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ነበሮ።
18
ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም።
19
ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊትን ሓሙሽተ ኣማኸርቲ ንጉስን ወሰደ። ከምኡውን ነቲ ሓሻኽር ዝኸትብ ፀሓፍን፥ ካብቶም ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ስሳ ሰባትን ወሰደ።
20
ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ነዚኣቶም ወሲዱ ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ዘለዎ ናብ ሪብላ ኣምፅኦም።
21
ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ህዝቢ ይሁዳ ብኸምዙይ ካብ ሃገሮም ተማሪኾም ከዱ።
22
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃ፥ ወዲ ሳፋልን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፉ፥ ኣብ ይሁዳ መመሓደሪ ገበሮ።
23
ኵሎም እቶም ዘይተማረኹ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሰዓብቶም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ከም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፥ ናብ ጎዶልያስ፥ ናብ ምፅጳ መፁ። እዚኣቶም እስማኤል ወዲ ናታንያን፥ ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን፥ ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን፥ ያእዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን ነበሩ።
24
ጎዶልያስ ድማ “ካብ ሹመኛታት ከለዳውያን ኣይትፍርሑ፤ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፤ ንንጉስ ባቢሎን ከዓ ተገዝእዎ እሞ ፅቡቕ ነገር ክኾነልኩም እዩ” ኢሉ መሓለሎም፤ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከዓ ኣረጋግኦም።
25
በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ግና፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ወዲ ኤሊሻማ፥ ዓሰርተ ሰብ ምስኡ መፂኦም ንጎዶልያስ ቀተልዎ፤ ነቶም ምስኡ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ኣይሁድን ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።
26
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሖም ነበሩ እሞ፥ ተሲኦም ናብ ግብፂ ኸዱ።
27
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ዮርማሮዴቅ ንጉስ ባቢሎን፥ በታ ዝነገሰላ ዓመት ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ። ብፍቕሪ ድማ ተናገሮ። እዙይ ድማ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኣብ ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ።
28
ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ፅቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖ፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።
29
ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፤ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ኸዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እንጀራ ይምገብ ነበረ።
30
ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ዅልሻዕ ካብ ንጉስ ይወሃቦ ነበረ።
← Chapter 24