bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 22
2 Kings 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። እኖኡ የዲዳ ጓል ዓዳያ እትበሃል በዓልቲ በሱሮት ነበረት።
2
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።
3
ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ኣብ ሻምናይ ወርሒ እቲ ንጉስ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ፥ ወዲ ኤዜልያስ ወዲ የሜሶላም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ለኣኾ፤ ከምዙይ ከዓ በሎ፦
4
“ናብቲ ሊቀ ካህናት ናብ ኬልቅያስ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ኣፍ ደገ ዝሕልዉ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ዝኣተወ ገንዘብ ክቘፅሮ ንገሮ።
5
ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ይሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ቤት እግዚኣብሄር ዝፅግኑ፥
6
ፀረብትን ሃነፅትን ነደቕትን ይኽፈልዎም፤ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ከዓ ይኽፈልዎ።
7
ግና ንሳቶም እሙናት ነበሩሞ፥ ስለ እቲ ኣብ ኢዶም ዝወሃብ ኣይቈፃፃርዎን ነበሩ።”
8
ሊቀ ካህናት ኪልቂያ ኸዓ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መፅሓፍ ሕጊ ረኺበ” በሎ። ኪልቂያ ድማ ነቲ መፅሓፍ ንሳፋን ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኣንበቦ።
9
ሳፋን እቲ ፀሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ “እቶም ሓሻኽርካ ነቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝተረኽበ ገንዘብ ወሲዶም ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዘስርሑ ዋናታት ኣብ ኢዶም ሂቦምዎም” ኢሉ ነቲ ንጉስ ነገሮ።
10
እቲ ፀሓፊ ሳፋን ድማ ንንጉስ “ሊቀ ካህናት ኬልቅያስ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ዓው ኢሉ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።
11
እቲ ንጉስ ከዓ ቓላት እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
12
እቲ ንጉስውን ንካህን ኬልቂያስን፥ ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን፥ ንዓክቦር ወዲ ሚካያን፥ ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከሩን ድማ፥
13
“ኣቦታትና ንቓላት እዝ መፅሓፍ እዙይ ከምቲ ዝእዝዞ ስለ ዘይገበሩ እቲ ኣባና ነዲዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ዝተረኽበ መፅሓፍ እዙይ ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዅሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ጠይቕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
14
ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን ኣኪቃምን ዓክቦርን ሳፋንን ዓሳያን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ፤ ንሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብቲ ካልኣይ ክፍሊ እትቕመጥ ነበረት፤ ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቁዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነቲ ዝኾነ ነገርዋ።
15
ንሳ ኸዓ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦
16
ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ፥ እቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቦ፥ ንኢየሩሳሌምን ህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ።
17
ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእንውን እዩ።
18
ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትጥይቑ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
19
ኢየሩሳሌምን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ንመደነቕን ንመራገምን ክኾኑ እዮም፤ ኢለ ዝተዛረብክዎ ምስ ሰማዕኻ ብልብኻ ስለ ዝተነሳህካ፥ ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካ፥ ክዳንካ ቐዲድካ ኸዓ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ ሰሚዐካ ኣለኹ።
20
ስለዙይ ንስኻ ኽትመውት ኢኻ፤ ብሰላምውን ክትቅበር ኢኻ፤ ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌም ዘምፅኦ ዅሉ መከራ ድማ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
← Chapter 21
Chapter 23 →