bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 21
2 Kings 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት።
2
ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለ።
3
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።
4
ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።
5
ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐሎም።
6
ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
7
ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።
8
ሓንትስ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ከዓ ንምፍፃም እንተ ተጠንቀቑ፥ ሽዑ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዞምን እየ።”
9
ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ምናሴ ድማ ኣስሓቶም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ገበሩ።
10
ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነቢያት ገይሩ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
11
“ምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዘፀይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን፥ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦምን፥
12
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንዝሰምዖ ዅሉ ዘስካሕክሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምፅእ እየ።
13
እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምውን ክዝርግሖ እየ። ከምቲ ንፃሕሊ ወልዊልካ ብኣፉ እትደፍኦ፥ ከምኡ ድማ ኣነ ንኢየሩሳሌም ወልዊለይ ክግልብጣ እየ።
14
ነቶም ተረፍ ርስተይ ከዓ ኽድርብዮም እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽማርኽዎም እዮም፤ ንምድሮም ድማ ኽዘርፍዎ እዮም።
15
እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”
16
ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ።
17
እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
18
ምናሴ ሞተ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ፥ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።
19
ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሜሶላም እትበሃል ጓል ሓሩስ በዓልቲ ዮጥባ ነበረት።
20
ንሱ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
21
ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ዝኸዶ መንገዲ ድማ ኸደ፤ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣዖታት ከዓ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን።
22
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።
23
ሹመኛታት ኣሞፅ ድማ ሻራ ገበሩሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።
24
ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን ዘሻረዉሉ ዅሎም ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገሶ።
25
እቲ ዝተረፈ ኣሞፅ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
26
ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮስያስ ነገሰ።
← Chapter 20
Chapter 22 →