bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 20
2 Kings 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ ጊዜ እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ኽመውት ቀረበ። ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ድማ ናብኡ መፂኡ “ንስኻ ኽትመውት ኢኻ እምበር፥ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣመዓራሪ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር” ኢሉ ነገሮ።
2
ሽዑ ሕዝቅያስ ገፁ ናብ መንደቕ መሊሱ፦
3
ኦ እግዚኣብሄር! እልምነካ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍፁም ልብን ከም ዝተመላለስኩን፥ ዘሐጕሰካውን ከም ዝገበርኩን ክትዝክር እልምነካ ኣለኹ? ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። ሕዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።
4
ኢሳይያስውን ገና ናብቲ ኣደባባይ ማእኸላዊ ኸተማ እንተይበፅሐ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦
5
“ተመለስ እሞ ንሕዝቅያስ፥ ነቲ ሓለቓ ህዝበይ፥ ከምዙይ በሎ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ንብዓትካውን ሪአ ኣለኹ፤ እንሆ ኸዓ ኸሕውየካ እየ፤ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ።
6
ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ፤ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከዓ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ምእንታይን ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ኢለ ኽከላኸለላ እየ’ ” በሎ።
7
ኢሳይያስ ድማ “ጎጎ በለስ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣምፂኦም ከዓ ኣብቲ ዝሓበጠ ቝስሉ ገበሩሉ እሞ፥ ሓወየ።
8
ሕዝቅያስ ንኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ከም ዘሕውየንን፥ ኣነውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብንከ፥ ምልክቱ እንታይ እዩ?” በሎ።
9
ኢሳይያስ ድማ “እግዚኣብሄር ነቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍፅሞ፥ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ምልክት እዙይ እዩ፦ እዝ ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይ ንድሕሪት ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ?” በለ።
10
ሕዝቅያስ ከዓ “ፅላሎት ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ክኸይድስ ቀሊል እዩ፤ ኣይፋሉን፥ እቲ ፅላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ደረጃ ይመለስ” በለ።
11
ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ ነቲ ፅላሎት ብናይ ኣካዝ ኣሰፋፍራ ሰዓት ፅላሎት በቲ ዝወረደሉ መንገዲ፥ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት መለሶ።
12
በቲ ጊዜ እቱይ መሮዳክ ወዲ መሮዳክባልዳን፥ ንጉስ ባቢሎን፥ ሕዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ መልእኽትን ገፀ በረኸትን ናብ ሕዝቅያስ ሰደደሉ።
13
ሕዝቅያስ ከዓ ደስ በሎ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ቤተ መዛግብቱ ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ፅቡቕ ዘይትን፥ ኵሉ እቲ መሳርሒ ውግእን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ኾነ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።
14
ሽዑ ነቢይ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ መፂኡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ካበይ መፂኦም? እንታይከ ኢሎምኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ካብ ርሑቕ ሃገር፥ ካብ ባቢሎን ዝመፁ እዮም” ኢሉ መለሰሉ።
15
ኢሳይያስ ከዓ “ኣብ ቤተ መንግስትኻኸ እንታይ ረአዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሕዝቅያስ ድማ “ኵሉ ኣብ ቤተ መንግስተይ ዘሎ ሪኦም እዮም፤ ኣብ መዛግብተይ ዘየርአኽዎም ነገር የለን” ኢሉ መለሰሉ።
16
ኢሳይያስ ድማ ንሕዝቅያስ ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስማዕ፦
17
‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር።
18
ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ።
19
ሕዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ “ብዘመነይ ደኣ ሰላምን ህድኣትን ይኹን እምበር፥ ‘እዝ ዝተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ’ ” በሎ።
20
እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ኵሉ ጅግንነቱን፥ ሓፅብን መስኖን ከም ዝሰርሐን፥ ናብ ከተማ ኸዓ ማይ ከም ዘእተወን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
21
ሕዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ምናሴ ነገሰ።
← Chapter 19
Chapter 21 →