bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 19
2 Kings 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
2
ንኤልያቄም ኣዛዚ ቤቱን ሳምናስ እቲ ፀሓፍን ነቶም ዓበይቲ ኻህናትን፥ ወጮ ተኸዲኖም ናብ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ለኣኾም።
3
ንሳቶም ድማ ንኢሳይያስ “ንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መከራን ውርደትን እያ፤ ህፃናት ዝውለዱሉ ጊዜ በፂሑ፤ ንምውላድ ግና ሓይሊ የለን።
4
ንጉስ ኣሶር ንራፋስቂስ ልኢኹ እቲ ዅሉ ንህያው እግዚኣብሄር ዝፀረፎ ፀርፊ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ሰሚዑ፥ ኣምላኽካ እግዚኣብሄርውን ስለ እቲ ዝሰምዖ ቓል እንተ ገሰፆ፥ ምእንቲ እዝ ተረፍ ፀሎት ግበር’ ” በልዎ።
5
እቶም ልኡኻት ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢሳይያስ መፁ፥
6
ኢሳይያስ ድማ ንጐይታኹም፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልኩም ንገርዎ፦ ‘በቲ ሓሻኽር ንጉስ ኣሶር ክፀርፉኒ ዝሰማዕኻዮም ነገር ኣይትፍራሕ።
7
እንሆ፥ ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ ክሰድድ እየ፤ ወረውን ክሰምዕ እዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ኽምለስ እዩ፤ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ከም ዝወድቕ ኽገብሮ እየ በልዎ’ ” በሎም።
8
ራፋስቂስ፥ ንጉስ ኣሶር ካብ ለኪስ ከም ዝረሓቐ ምስ ሰምዐ ተመለሰ፤ ኣብ ሊብና ኽዋጋእ እንተሎ ድማ ረኸቦ።
9
ሰናክሬም ግና “ቲርሃቅ ንጉስ ኢትዮጵያ፥ ክወግአካ ወፂኡ ኣሎ” ዝብል ወረ ምስ ሰምዐ፥ መሊሱ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ እናበለ ልኡኻት ሰደደ፦
10
“ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ በልዎ፦ ‘እዝ ንስኻ እትእመኖ ዘለኻ ኣምላኽካ “ኢየሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ” ኢሉ ኣየዐሹኻ።
11
ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት እንታይ ከም ዝገበርወንን፥ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወንን እንሆ ሰሚዕኻዮ ኣለኻ፤ ንስኻኸ እትድሕንዶ ይመስለካ?
12
ኣቦታተይ ንህዝቢ ጐዛንን ካራንን ራፊስን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔድንን ኣጥፍእዎም፤ እቶም ኣማልክቲዶ ንኣህዛብ ኣድሒኖምዎም እዮም?
13
ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርፋድን ንጉስ ከተማ ሴፈርዋይምን ንጉስ ሄናን ንጉስ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ?’ ”
14
ሕዝቅያስ ከዓ ነታ መልእኽቲ ካብ ኢድ እቶም መልእኽተኛታት ተቐቢሉ ኣንበባ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከይዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።
15
ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ፀለየ፦ “ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ኣምላኽ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ፈጠርካዮ።
16
ኦ እግዚኣብሄር! ኣእዛንካ ኣዘምቢልካ ስማዕ፤ ኦ እግዚኣብሄር! ኣዒንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ረአ። ነቲ ንኣኻ ንህያው ኣምላኽ ክፀርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ቃል ሰናክሬም ከዓ ስማዕ።
17
“ኦ እግዚኣብሄር! ነገስታት ኣሶር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶምን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ።
18
ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕንፀይትን ካብ እምንን ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ እዮም እምበር፥ ኣማልኽትስ ኣይኮኑን፤ ስለዙይ ድማ ኣጥፍእዎም።
19
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና! ንልምነካ ኣለና፤ ኵለን መንግስታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ምእንቲ ኽፈልጣ፥ ካብ ኢድ ሰናክሬም ኣድሕነና።”
20
ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ናብ ሕዝቅያስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ነቲ ብዛዕባ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፥ ሰሚዐዮ ኣለኹ’ ” ይብል ኣሎ።
21
እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝተዛረቦ ቓል ከዓ እዙይ እዩ፦ እታ ድንግል ጓል ፅዮን ነዓቐትካን ኣባጨወትልካን፥ እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድማ ኣባኻ ርእሳ ነቕነቐትልካ።
22
ዝፀረፍካዮን ዘላገፅካሉን ንመን ኢኻ? ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ፥ ኣዒንትኻ ንላዕሊ ቛሕ ዘበልካሉ፥ ናብ መን ኢኻ? ናብቲ ኣምላኽ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
23
ብልኡኻትካ ጌርካ ኸምዙይ ኢልካ ንእግዚኣብሄር ፀረፍካ፦ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ፥ ናብ ርእሲ እምባታት፥ ናብ ጫፍ ሊባኖስ ደየብኩ፤ ነቲ ነዋሕቲ ዝግባታቱን፥ ነቲ ሕሩይ ፅሕድታቱን ከዓ ቘረፅኩ፤ ናብቲ ዝረሓቐ መሕደሪኡ፥ ናብቲ ዱር ቀርሜሎስ ክኣቱ እየ።
24
ኰዓትኩ ጋሻ ማይውን ሰተኹ፤ ነቲ ዝተገደበ ማይውን ብኸብዲ እግረይ ኣንቀፅክዎ ድማ በልካ።
25
ነዙይ ካብ ጥንቲ ኣነ ኸም ዝገበርክዎ፤ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ኣነ ኸም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕኻን ኢኻ? ሕዚ ድማ ንዕሩዳት ከተማታት፥ ኵምራ ዑናታት ጌርካ ኽተባድመን ገበርኩኻ።
26
ስለዙይ እቶም ዝነብርወን ሰባት ሓይሊ ሰኣኑ፤ ተሸበሩን ሓፈሩን፤ ከም ሳዕሪ በረኻን፥ ከም ልምሉም በቝልን፥ ከምቲ እንተይሸወተ፥ ሕሞድያ ዝወቕዖ እኽልን ኮኑ።
27
ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውፃእኻን ምእታውካን፥ ኣባይ ዝተቘጣዕኻዮ ምቝጣዕን ፈሊጠ ኣለኹ።
28
ቍጥዓኻን ትዕቢትካን ናብ እዝነይ በፂሑ እዩሞ፥ መቑለበይ ኣብ ኣፍንጫኻ፥ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብር እየ፤ በታ ዝመፃእኻላ መንገዲ ድማ ኽመልሰካ እየ።
29
ሽዑ ንሕዝቅያስ “ንኣኻ ግና እዙይ ምልክት ይኹንካ፤ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፥ ብኻልአይቲ ዓመት ከዓ በልጊ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ኽትዘርኡን ክትዓፅዱን፥ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍረኡ ኽትበልዑን ኢኹም።
30
እቶም ዘምለጡ ተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ክሰዱ፥ ኣብ ላዕሊ ኸዓ ኽፈርዩ እዮም።
31
ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፥ ካብ እምባ ፅዮን ድማ ዘምለጡ ክወፁ እዮም፤ ነዙይ ከዓ ቕንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ።”
32
ስለዙይውን እግዚኣብሄር ስለ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል “ሰናክሬም ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ፤ ኣብኣ ድማ ፍላፃ ኣይውርውርን እዩ፥ ዋልታውን ኣይምክተላን እዩ፤ መደያይቦ ኸዓ ኣይኹምረላን እዩ።
33
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ በታ ዝመፀላ መንገዲ ኽምለስ እዩ እምበር፥ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ።
34
ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ” በሎ።
35
በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰባት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ ኸዓ፥ እንሆ ዅላቶም ሬሳታት ኮይኖም ፀንሑ።
36
ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ተሲኡ ኸደ፤ ተመሊሱውን ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።
37
ሓደ መዓልቲ ሰናክሬም ኣብ ቤት ኣምልኹ ናሳራክ ክሰግድ እንተሎ፥ ደቁ ኣድራማሌክን ሳራሳን ብሰይፊ ቐተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣስራዶን ነገሰ።
← Chapter 18
Chapter 20 →