bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 18
2 Kings 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ሕዝቅያስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2
ንሱ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት።
3
ሕዝቅያስ ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።
4
ነቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ መስገዲታት ኣወገዶ፤ ነቲ ኣዕማድ ኣእማን ሰባበሮ፤ ነቲ ሓወልትታት ኣስታሮትውን ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ናይ ነሃስ ተመን ድማ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ሰባባሮ። ስሙውን ነሑሽታን ኢሉ ፀውዖ።
5
ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፤ ይሁዳ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉስ ረኺባ ኣይትፈልጥን።
6
ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ተጣበቐ፤ ንእኡ ካብ ምኽታልውን ኣይረሓቐን፤ ነቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱ ሓለወ።
7
ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን።
8
ንፍልስጥኤማውያን ድማ ኻብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኽሳዕ ጋዛን ወሰናታን ሰዓሮም።
9
ንጉስ ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፥ ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ንኸተማ ሰማርያ ኸበባ።
10
ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከዓ ሰማርያ ተትሓዘት። እዙይ ዝኾነ ሕዝቅያስ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ካብ ዝነግስ ከዓ ኣብ ታሽዓይ ዓመቱ እዩ።
11
እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም።
12
እዙይ ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎን ንኺዳኑ ብምፍራሶምን፥ ነቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
13
ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን።
14
ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ኣብ ለኪሽ እንተሎ፥ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ “በዲለ እየ፤ ግና ዘሰከምካኒ ክስከም እየ እሞ፥ ካብ ምድረይ ተመለስ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፤ ሰናክሬም ከዓ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ “ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን ክፈል” በሎ።
15
ሕዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።
16
ከምኡውን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓፁ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውቱን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ።
17
ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ።
18
“ንንጉስ ሕዝቅያስ ፀውዑልና” ድማ በሉ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤትን፥ ሰብና ፀሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኣቶም ወፁ።
19
ራፋስቂስውን በሎም፦ “ንንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ በልዎ፦ “እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እዝ ተኣሚንካዮ ዘለኻ እሙንቶ እዙይ እንታይ እዩ?
20
ንስኻ ንውግእ ክእለትን ሓይልን ኣለኒ ትብል ኣለኻ፤ ግና ቃል ከንፈር ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኸዳዕኻኒ ደኣ ብመን ተኣሚንካ ኢኻ?
21
እንሆ፥ ሕዚ ብግብፂ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ። ንሱ ንዝተመርኰሶ ሰብ፥ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ እዩ ዝኣቱ፤ የንኵሎን የቝስሎንውን፤ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዓ ንዝተኣማመንዎ ዅሎም ከምኡ እዩ።”
22
“ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና እንተ በልኩምኒ ድማ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ንህዝቢ ይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣብ ቅድሚ እዝ መሰውኢ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ስገዱ ኢልካ ኣብ ኰረብታ ዝነበሩ መሰውኢታቱ ዘፍረስካሉ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
23
“ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ።
24
ብናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን እንተ ተኣመንካ፥ ካብዞም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ ንሓደ ሓለቓ ኽትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ።
25
ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ ዝመፃእኹ ይመስለካ? እግዚኣብሄር እዩ ናብዛ ሃገር እዚኣ ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ በልዎ” በሎም።
26
ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያን ሳምናስን ዮኣሳን ነቲ መራሒ ንራፋስቂስ “ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፥ በይዛኻ ንሓሻኽርካ ብቛንቋ ሶርያ ተዛረበና፤ ግና እዝ ኣብ መካበቢያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቋንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።
27
ራፋስቂስ ግና “ንጉስ፥ እዝ ነገር እዙይ ክናገር ናባኻን ናብ ጐይታኻንዶ ልኢኹኒ እዩ? ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፥ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኮነን?” በሎም።
28
ሽዑ ራፋስቂስ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ዓው ኢሉ ተዛረበ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።
29
እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሕዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ንሱ ኣየዐሹኹም።
30
ሕዝቅያስ ድማ፥ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።
31
“ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ።
32
ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ።
33
ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነዶ ኣሎ?
34
ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሴፈርዋይምን ሄናዕን ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም?
35
ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየንኦም እዮም? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ?”
36
ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ ሓደ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
37
ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያ ኣዛዚ ቤትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ዮኣሳ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ሕዝቅያስ መፁ እሞ ዘረባ ራፋስቂስ ነገርዎ።
← Chapter 17
Chapter 19 →