bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 17
2 Kings 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፤ ትሽዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ።
2
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ፤ ግና ኸምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ኣይኮነን።
3
ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ተዋግኦ፤ ሆሴዕ ኸዓ ግዙኡ ኾይኑ ግብሪ ገበረሉ።
4
ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ ሆሴዕ ዓመፅ ረኸበ፤ ሆሴዕ ናብ ሴጎር ንጉስ ግብፂ ልኡኻት ሰዲዱ ሓገዝ ለሚኑ ነይሩ እዩሞ። እቲ በብዓመቱ ዝኸፍሎ ዝነበረ ግብሪ ድማ ምስዳድ ኣበየ። ሽዑ ንጉስ ኣሶር ንሆሴዕ ኣሲሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
5
ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ንዅላ እታ ሃገር ወረራ፤ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸዓ ሰለስተ ዓመት ከበባ።
6
ንሆሴዕ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፤ ንእስራኤል ድማ ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ሓላሕ፤ ኣብ ሓቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያን ከዓ ኣቐመጦም።
7
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ባርነት ፈርዖን ንጉስ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ሓራ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዘምለኹን እዩ።
8
ከምኡውን ብልማድ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብን፥ በቲ ነገስታት እስራኤል ዘገብርዎ ዝነበሩ ኽፉእ ልማድን ከዱ።
9
እወ! ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኵለን ከተማታቶም ድማ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣብ በረኽቲ ቦታታት መሰውኢ ሰርሑ።
10
ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ከዓ ኣዕምዲ ኣእማንን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ኣቖሙ።
11
ኣብኡ ድማ ኸምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዝሰጐጎም ኣህዛብ ኣብ ኵሉ በረኽቲ ይዓጥኑ ነበሩ። ክፉእ ነገር ብምግባር ከዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ።
12
ነቲ እግዚኣብሄር “ነዝ ነገር እዙይ ኣይትግበርዎ” ዝበሎም፥ ነቶም ጣዖታት ኣምለኹ።
13
እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዅሎም ነቢያትን ብዅሎም ረኣይትን ገይሩ መስከረ “ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፥ ብባሮተይ ነቢያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኵሉ ትእዛዛተይን ሕግጋተይን ሓልዉ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ።
14
ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ከምቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ እምበር።
15
ንሕግጋቱን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኺዳንን ነቲ ዝሃቦም መጠንቀቕታን ነዓቕዎ። ደድሕሪ ኸንቱ ዝኾኑ ጣዖታት ብምስዓቦም ንባዕላቶም ከንቱ ኾኑ፤ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከምኣቶም ከይገብሩ ዝኣዘዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ድማ ሰዓቡ።
16
ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም፥ ብዝፈሰሰ ዝተሰርሑ ምስልታት ክልተ ምራኹት ገበሩ፤ ሓወልቲ ኣስታሮትውን ኣቖሙ፤ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፤ ንጣዖት በዓልውን ኣምለኹ።
17
ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከዓ ብሓዊ ይስውእዎም ነበሩ፤ ዛዕጐል የውድቑን ይጥንቍሉን ድማ ነበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ኣቘጥዕዎ።
18
ስለዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብእስራኤል የመና ተቘጥዐ፤ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ነገድ ይሁዳ ጥራሕ በይና ተረፈት።
19
ይሁዳውን በቲ ኽፉእ ልማድ እስራኤል ከዱ እምበር ነቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሓለውዎን።
20
እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ሓደጎም፤ ኣዋረዶም፤ ካብ ገፁ ኽሳዕ ዝጠፍኡ ኸዓ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም።
21
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ምስ ፈለዮም፥ ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፤ ኢዮርብዓም ከዓ ንህዝቢ እስራኤል፥ ንእግዚኣብሄር ካብ ምምላኽ ኣርሓቖም፤ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣስርሖም።
22
ንሳቶም ድማ ንኢዮርብዓም ሰዓብዎ፤ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ሓጢኣትውን ገበሩ።
23
እግዚኣብሄር ከዓ ንእስራኤል፥ ከምቲ ብዅሎም ባሮቱ ነቢያት ተዛሪብዎ ዝነበረ ኻብ ቅድሚኡ ደርበዮም። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኸዓ ብኣሶራውያን ተማረኹ።
24
ንጉስ ኣሶር ድማ ኻብ ባቢሎን፥ ካብ ኩታ፥ ካብ ዓዋ፥ ካብ ሓማት፥ ካብ ሴፈርዋይም ሰባት ኣምፂኡ ኽንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸዓ ወረስዋ፤ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ።
25
ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።
26
ንንጉስ ኣሶር ድማ “እቶም ኣፍሊስካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት፥ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ኣይፈልጡን እዮም፤ ስለዙይ ኣምላኽ እታ ሃገር፥ ስርዓቱ ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ድማ ኣናብስ ሰደደሎም። እቶም ኣናብስ ከዓ፥ እንሆ፥ ይቐትልዎም ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።
27
ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር “ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፤ ከይዱ ድማ ኣብኡ ይቀመጥ እሞ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምሃሮም” ኢሉ ኣዘዘ።
28
ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መፂኡ ኣብ ቤቴል ተቐመጠ፤ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርሕዎ ኸዓ መሃሮም።
29
ግና ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ኣማልኽቶም ገይሮም ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ጣዖት ኣንበርዎ።
30
እቶም ሰብ ባቢሎን ከዓ ናይ ሱኮትቤኖት ዝበሃል ኣምላኽ ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ኩታ ድማ ናይ ኤርጌል ጣዖት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሃማት ከዓ ናይ ኣሲማት ጣዖት ገበሩ፤
31
እቶም ሰብ ዓዋ ድማ ናይ ኒብሓዝን ተርታቅን ጣዖታት ገበሩ፤ እቶም ሰብ ሴፈርዋይም ከዓ ንኣማልኽቲ ሴፈርዋይም ንኣድራሜሌክን ንኣነሜሌክን ዝበሃሉ ኣማልኽቶም ደቆም ኣብ ሓዊ ኣቃፂሎም ይስውኡሎም ነበሩ።
32
ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርሑ ነበሩ፤ ነቲ ዀረብታ መስገዲ ኻብ ማእኸሎም ከዓ ዝኾነ ሰብ ካህን ይገብሩ ነበሩ፤ ንሳቶም ድማ ኣብ ኰረብታ መስገዲ መስዋእቲ ይስውኡ ነበሩ።
33
ንእግዚኣብሄር ይፈርሑ ነበሩ፤ ግና፥ ከምቲ ቐደም ኣብ ዓዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ስርዓት ንኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ።
34
ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ኸም ልማዶም ይገብሩ ኣለዉ። ንእግዚኣብሄር ኣይፈርሕዎን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እቲ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ ያእቆብ ዝሃቦ ሕግጋትን ፍርድታትን ትእዛዛትን ኣይሓለዉን።
35
እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኪዳን ኣትዩ ነበረ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ኣዚዙዎም ነበረ፦ “ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይተምልኽዎም፤ ኣይትስገዱሎም፤ ኣይተገልግልዎም፤ ኣይትሰውኡሎም።
36
ንኣይ ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብሓያል ቅልፅምን ካብ ግብፂ ዘውፃእኩኹም እግዚኣብሄር ደኣ ኣምልኹ፤ ስገዱ፤ ሰውኡ።
37
ነቲ ዝፀሓፍኩልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ኣይተምልኽዎም።
38
ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ኺዳነይ ኣይትረስዕዎ፤ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ኣይተምልኽዎም።
39
ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርሑ፤ ኣነ ድማ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእትኹም ከድሕነኩም እየ።”
40
ንሳቶም ግና ኸምቲ ናይ ቀደም ልማዶም ደኣ ገበሩ እምበር፥ ኣይሰምዑን።
41
ስለዙይ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ይፈርሕዎ ነበሩ፤ ንዝተቐረፁ ምስልታቶምውን የምልኹ ነበሩ። ደቆምን ደቂ ደቆምን ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።
← Chapter 16
Chapter 18 →