bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 16
2 Kings 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመቱ፥ ኣካዝ ወዲ ኢዮኣታም ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2
ኣካዝ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን፤
3
እኳ ደኣ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፤ ከም እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዘፀይፍ ብምግባርውን ወዱ ንጣዖት ብሓዊ ሰውአ እምበር።
4
ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5
ሽዑ ረኣሶን ንጉስ ሶርያን፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንኢየሩሳሌም ክወግእዋ ደየቡ። ንኣካዝ ድማ ኸበብዎ፤ ከሸንፍዎ ግና ኣይከኣሉን።
6
በታ ጊዜ እቲኣ ረኣሶን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፥ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፤ ኤዶማውያን ከዓ ናብ ኤላት መፂኦም ኽሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።
7
ኣካዝ ከዓ ናብ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ “ኣነ ባርያኻን ወድኻን እየ፤ ካብ ኢድ እቶም ተልዒሎምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ክተድሕነኒ ደይብ” በሎ።
8
ኣካዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤት ንጉስን ዝነበረ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገፀ በረኸት ሰደደሉ።
9
ንጉስ ኣሶር ከዓ ሰምዖ እሞ ደዪቡ ንደማስቆ ሓዛ፤ ኣብኣ ንዝነበሩ ህዝባ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፤ ንረኣሶንውን ቀተሎ።
10
ንጉስ ኣካዝ ድማ ንቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክረኽቦ ናብ ደማስቆ ኸደ፤ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መሰውኢ ኸዓ ረአዮ። ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዅሉ ስርሓቱን ገይሩ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ ሰደደሉ።
11
ካህን ኦርያ ኸዓ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣካዝ ካብ ደማስቆ ቅድሚ ምምላሱ ድማ ፈፀሞ።
12
እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መፀ ነቲ መሰውኢ ረአዮ፤ ቀሪቡ ኸዓ ናብኡ ደየበ።
13
ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣቕረበ፤ ናይ መስተ መስዋእቲ እውን ኣፍሰሰ፤ ነቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ደም ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነፀጎ።
14
ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ነሃስ መሰውኢ ድማ ኻብ ቅድሚ እታ ቤተ መቅደስ ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ድሕር ኣቢሉ፥ ብወገን ሰሜን እቲ ሓድሽ መሰውኢ ኣቐመጦ።
15
ንጉስ ኣካዝ ድማ ብዛዕባኡ ንካህን ኦርያ “እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ንጉስን፥ መስዋእቲ እኽልን፥ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ መስዋእቲ እኽሎምን፥ መስዋእቲ መስተኦምን፥ ኣብቲ ዓብዪ ሓድሽ መሰውኢ ኣቃፅሎ፤ ንዅሉ ደም እቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ ንኵሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ንፀጎ፤ ነቲ ብነሃስ ዝተሰርሐ መሰውኢ ግና ኣነ ኽጥይቐሉ ንኣይ ሕደገለይ” ኢሉ ኣዘዞ።
16
ካህን ኦርያ ድማ ኸምቲ ንጉስ ኣካዝ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።
17
ንጉስ ኣካዝ ድማ ነቲ መንኰራዅር ዘለዎ መቐመጢ ኣቑሑ ቘሪፁ፥ ነቲ ገበራ ኻብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፤ ነቲ መዕቘሪ ማይውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ነሃስ ኣውሪዱ፥ እምኒ ኣብ ዝተነፀፎ ምድሪ ቤት ኣንበሮ።
18
ኣብ ቤት እግዚኣብሄርውን መሰረት ናይቲ ዙፋን ሰርሐ፤ ንንጉስ ኣሶር ኢሉውን ነቲ ብወፃኢ ዘሎ መንገዲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣዞሮ።
19
እቲ ዝተረፈ ኣካዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
20
ኣካዝ ከዓ ሞተ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።
← Chapter 15
Chapter 17 →