bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 15
2 Kings 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን ዓመቱ ኣዛርያስ ወዲ ኣሜስያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2
ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዝአ። እኖኡ ኸዓ የኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።
3
ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ፥ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ።
4
ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖት ዘምልኹሉ ስለ ዘየፍረሶ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ኣብ ዘለዉ መስገዲታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ኣዛርያስ ቀሰፎ፤ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸዓ ለምፃም ኮነ። ኣብ ፍሉይ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ኢዮኣታም ወዲ ንጉስ ድማ ኽንዲ እቲ ንጉስ ኮይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር የመሓድር ነበረ።
6
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
7
ኣዛርያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ኢዮኣታም ወዱ ነገሰ።
8
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሰላሳን ሸሞንተን ዓመቱ፥ ዘካርያስ ወዲ ኢዮርብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ገዝአ።
9
ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
10
ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ድማ ተማሓሓለሉሞ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
11
እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፤ እንሆ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
12
እቲ እግዚኣብሄር ንኢዩ “ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ትውልዲ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” ኢሉ ኣተስፍይዎ ዝነበረ ቓል እዙይ ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ኾነ።
13
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ እስራኤል ነገሰ፤ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ድማ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ።
14
ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸዓ ኻብ ቴርሳ ናብ ሰማርያ ደዪቡ፥ ንሰሎም ወዲ ኢያቢስ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፤ ክንድኡውን ነገሰ።
15
እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎም ነገርን እቲ ዝተመሓሓሎ ዓመፅን ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።
16
ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳ ኽዋግኣ ኻብ ቴርሳ ምስ መፀ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ ክኸፍቱ ኣይደለዩንሞ፥ ንሱ ኸዓ ነታ ኸተማ ወቕዓ፤ ነተን ኣብኣ ዝነበራ ጥኑሳት ከዓ ኸብደን ቀደደን።
17
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ፥ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ።
18
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
19
ፎሓ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ወፀ። ምናሔም ከዓ ነታ መንግስቱ ኣብ ኢዱ ንኸፅንዐሉ ኢድ ፎሓ ምስኡ ንክኸውን፥ ሰላሳን ኣርባዕተን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር ሃቦ።
20
እዝ ብሩር እዙይ ካብቶም ሃብታማት እስራኤል፥ ካብ ነፍሲ ወከፎም ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ኣገዲዱ ዝኣከቦ እዩ። ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብ ሃገሩ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገርውን ኣይተቐመጠን።
21
እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
22
ምናሔም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ፋቂስያስ ነገሰ።
23
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ፥ ፋቂስያስ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ።
24
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን፤
25
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሓለቓ ሰራዊቱ፥ ንፋቂስያስ ተመሓሓለሉ። ካብ ገለዓድ ሓምሳ ሰብ ምስኡ ወሲዱ ድማ ኣብ ሰማርያ ኣብ ዕርዲ ቤተ መንግስቲ ቐተሎ። ምስኡ ድማ ንኣርጎብን ኣርያን ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ነገሰ።
26
እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቂስያስ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
27
ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፥ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኸዓ ዕስራ ዓመት ገዝአ።
28
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ። ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
29
ብዘመን ፋቁሔ ንጉስ እስራኤል፥ ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ክወርር መፀ። ንኸተማታት ዒዮንን ኣቤልቤትማዓካን ኢያኖክን ቃዴስን ሓፆርን ሓዘን። ከምኡውን ንምድሪ ገለዓድን ንምድሪ ገሊላን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ሓዘን። ንህዝበን ማሪኹ ኸዓ ናብ ኣሶር ወሰዶም።
30
ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ሻራ ገበረሉ። ወቒዑ ምስ ቀተሎ ድማ ኽንድኡ ነገሰ።
31
እቲ ዝተረፈ ናይ ፋቁሔ ነገርን ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
32
ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፥ ኢዮኣታም ወዲ ኣዛርያስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
33
ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት።
34
ኢዮኣታም ከምቲ ኣቦኡ ዖዝያ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።
35
ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዝምለኸሉ ኣየወገዶን ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐውን ኢዮኣታም ነበረ።
36
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ እቲ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
37
እግዚኣብሄር፥ ንረኣሶን ንጉስ ሶርያን ንፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ንጉስ እስራኤልን፥ ንይሁዳ ኽዋግእዋ ክሰዶም ጀመረ።
38
ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ኣቦታቱ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
← Chapter 14
Chapter 16 →