bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 14
2 Kings 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ።
2
ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዮዓዳ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።
3
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ግና ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኢዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ እምበር፥ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይገበረን።
4
ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ኣየወገዶን ነበረሞ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5
መንግስቲ ምስ ፀንዐሉ፥ ነቶም ነቦኡ ኢዮኣስ ዝቐተሉ ኣገልገልቲ ቐተሎም።
6
ግና፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፥ ኣቦታት ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፤ ደቂውን ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ” ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ነቶም ደቂ ቐተልቲ ኣይቀተሎምን።
7
ኣሜስያስ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ኤዶማውያን ቀተለ፤ ንሴላ ኸዓ ብውግእ ሓዛ፤ ስማ ድማ ኸምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፥ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8
ሽዑ ኣሜስያስ ናብ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ፥ ንጉስ እስራኤል “ነዓ ንስንሳትና ገፅ ንገፅ ንርአአ!” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
9
ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኳኲቶ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፦ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖስ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፈ፤ ነቲ ኳኲቶ ኸዓ ረገፆ።
10
ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ።
11
ኣሜስያስ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ምስ ሰራዊቱ ደየበ እሞ፥ ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሳሚስ ተዋግኡ።
12
ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ።
13
ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ንኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤት ሳሚስ ማረኾ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ መካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ።
14
ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቑሑን ወሰደ፤ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰባትውን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።
15
እቲ ዝተረፈ ኢዮኣስ ዝገበሮ ነገርን ጅግንነቱን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግኦን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
16
ኢዮኣስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ኢዮርብዓም ወዱ ኸዓ ኽንድኡ ነገሰ።
17
ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ።
18
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
19
ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ማሕላ ዓመፅ ገበሩሉ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰዲዶም ኣብኣ ቐተልዎ።
20
ሬሳኡ በፍራስ ፅዒኖም መለስዎ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐበረ።
21
ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ፥ ነቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረ ኣዛርያስ ወዱ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ።
22
ንሱ፥ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ኣሜስያስ ንኤላት ከም ብሓድሽ ሰርሓ፤ ናብ ይሁዳ ድማ ኣምለሳ።
23
ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ።
24
ንሱ ኸምቲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነገር ገበረ፤ ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን።
25
ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው ኣምለሶ።
26
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር መከራ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፥ እቲ እሱር ኮነ ዘይእሱር ከም ዝጠፍአ፥ ንእስራኤል ከዓ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረአየ እዩ።
27
እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ ፍቓዱ ስለ ዘይነበረ፥ ብኢድ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣድሓኖም።
28
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ከም ዝተዋግአ፥ ነተን ናይ ይሁዳ ኾይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከዓ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
29
ኢዮርብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።
← Chapter 13
Chapter 15 →