bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 13
2 Kings 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ።
2
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ሓጢኣት ናይቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ተኸተለ፤ ካብኣውን ኣይረሓቐን።
3
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ብዅሉ እቲ ዘመን እቱይ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወዱ ወልደ ኣዴርን ኣሕሊፉ ሃቦም።
4
ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ።
5
እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ።
6
ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት።
7
እቲ ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡዎም ነበረሞ፥ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘሎ ብቝቡቕ ኣድቂቑዎም ነበረሞ፥ ንኢዮኣካዝ እንትርፊ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ካልእ ኣየትረፈሉን ነበረ።
8
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣካዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
9
ኢዮኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣስ ነገሰ።
10
ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ።
11
ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ከደ እምበር፥ ካብኣ ኣይርሓቐን።
12
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግአሉ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
13
ኢዮኣስ ሞተ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ወዱ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ።
14
ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ።
15
ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ።
16
ነቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ክትውርውር ተዳሎ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ኤልሳዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገይሩ፥
17
“ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ።
18
መሊሱ “ካልእ ፍላፃታት ኣልዕል እሞ ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ሰለስተ ሻዕ ወቒዑ ደው በለ።
19
ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
20
ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ።
21
ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22
ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣካዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም።
23
እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ራህርሀሎም፤ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገፁ መለሰሎም እምበር ከጥፍኦም ኣይደለየን። ክሳዕ ሕዚ እውን ካብ ቅድሚኡ ኣየርሓቖምን።
24
ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ወልደ ኣዴር ነገሰ።
25
ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ንወልደ ኣዴር ሰለስተ ሻዕ ሰዓሮ፤ ነተን ኣዛሄል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ኢዮኣካዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ከዓ ኣምለሰን።
← Chapter 12
Chapter 14 →