bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 12
2 Kings 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዩ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፤ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት።
2
ኢዮኣስ ከምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝመሃሮ፥ ብዅሉ ዘመኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
3
ግና ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ስለ ዘየወገደ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
4
ኢዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት “ኵሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ ዝተቐደሰ ገንዘብ፥ ስለ ነፍሱ ዋጋ ዘቕርቦ ገንዘብን፥ ብፍቓድ ልቦም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ገንዘብን ኣክብዎ። እቲ ህዝቢ ኽቝፀር እንተሎ ዝኸፍሎ ገንዘብን፥ እቲ ሰብ ብመብፅዓን ብድልየቱን ዝኸፍሎ ገንዘብን ኣክብዎ።
5
እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝተኣከበ ይውሰዱ፥ ንዝፈረሰ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይፀግንዎ” በሎም።
6
ይኹን እምበር እቶም ካህናት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣይፀገንዎን ነበሩ።
7
ሽዑ ንጉስ ኢዮኣስ ብዛዕባኡን ዮዳሄን ነቶም ካልኦት ካህናትን ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኹም ነዛ ቤተ መቕደስ ዘይፀገንኩምዋ? ሕዚ ኸዓ እቲ ንመፀገኒ ቤተ መቕደስ ዝተቐበልኩምዎ ገንዘብ ኣምፅእዎ እምበር ኣባኻትኩም ኣይቀመጥ” በሎም።
8
እቶም ካህናት ድማ ኻብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፥ ነቲ ዝፈረሰ ወገን ቤተ መቕደስ ከዓ ኸይፅግኑ ተሰማምዑ።
9
ዮዳሄ ግና ሓደ ሳፁን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረሉ፤ ኣብ ጥቓ መሰውኢ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መእተዊ ብወገን የማን ኣንበሮ። እቶም በሪ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተውዎ።
10
ኣብቲ ሳፁን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረአዩ፥ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ሊቀ ካህናትን ከይዶም፥ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ቈፂሮም ኣብ ከረጢት ኣሰርዎ።
11
እቲ ዝተመዝነ ገንዘብ ድማ ነቶም ዝሰርሑ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ፀረብቲ ዕንፀይትን ሃነፅትን፥
12
ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍሉሉ ነበሩ። ከምኡውን ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ዕንፀይትን ውቑር እምንን ይዕድጉሉ ነበሩ፤ ኵሉ ንምፅጋን እታ ቤተ መቕደስ ዝወፀ ገንዘብ ድማ ይኸፍሉሉ ነበሩ።
13
እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ነቶም ዝሰርሑ ሃብዎም፤ ንሳቶም ከዓ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ፀገኑሉ እምበር፥ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሄር ዘድሊ ፃሕሊ ብሩር፥ መሳቐዪታት፥ ጭሐሎታት፥ መለኸት፥ ሓደ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይዓደጉሉን።
15
ነቶም ሓለፍቲ ስራሕ፥ እቲ ዝኸፍልዎ ገንዘብ ብእምነት ይሰርሕዎ ስለ ዝነበሩ፥ ዝቈፃፀሮም ኣይነበረን።
16
እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።
17
ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ። ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ድማ ገፁ ኣቕንዐ።
18
ኢዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ እቲ ኣቦታቱ ኢዮሳፍጥን ኢዮራምን ኣካዝ፥ ነገስታት ይሁዳ፥ ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ዅሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝወፈዮን፥ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቂ ኣኪቡ፥ ንኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸዓ ንኢየሩሳሌም ሓዲጉዋ ተመለሰ።
19
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
20
ንኢዮኣስ ድማ ኣገልገቱ ሻራ ገበሩሉ፤ ኣብታ ናብ ሲላ እተውርድ መንገዲ፥ ኣብ ቤት ሚሎውን ቀተልዎ።
21
እቶም ዝቐተልዎ ሹመኛታቱ፥ ዮዘካር ወዲ ሰምዓትን ዮዛባት ወዲ ሾሜርን ይበሃሉ ነበሩ። ምስ ሞተ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።
← Chapter 11
Chapter 13 →