bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Kings 11
2 Kings 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ጎቶልያ እኖ ኣካዝ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየት፥ ተሲኣ ንዅሉ ዘርኢ መንግስቲ ኣጥፍኣት።
2
ግና ዮሳቤት ጓል ንጉስ ኢዮራም፥ ሓፍቲ ኣካዝ፥ ንኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ካብ ማእኸል እቶም ዝተቐትሉ ደቂ ንጉስ ኣምሊቛ ወሰደቶ እሞ፥ ንእኡን ንመጕዚቱን ናብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ጎቶልያ ሓብአቶ፤ እንተይተቐተለ ድማ ተረፈ።
3
ምስኣ ተሓቢኡ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሽዱሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ጎቶልያ ነጊሳ ነበረት።
4
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ከዓ ኻህን ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሓለውቲ ንጉስን ሓለውቲ ቤተ መንግስትን ልኢኹ ኣምፅኦም፤ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፤ “ኪዳን እተዉለይ” ኢሉ ኸዓ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፤ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም።
5
ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ሓደ ሲሶ ኻብቶም ብሰንበት ስራሕ ዝኣትዉ፥ ቤተ መንግስቲ ይሓልዉ፤
6
ሓደ ሲሶ ድማ ነታ ሱር እትበሃል ደገ ይሓልዉ፤ እቶም ዝተረፉ ሓደ ሲሶ ኸዓ ብድሕሪ እቶም ነታ ቤተ መቕደስ በብተራ ዝሕልዉ ሓሻኽር ኮይኖም ይሓልዉዋ።
7
እቶም ብሰንበት ዘዕርፉ ኽልተ ኽፍሊ ድማ ንንጉስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ይሓልውዎ።
8
ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም።
9
እቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ድማ ኸምቲ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ኵሉ ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰቦም ሒዞም ነቶም ብሰንበት ዝሰርሑን ብሰንበት ዝዓርፉን ሒዞም ናብ ካህን ዮዳሄ መፁ።
10
እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ኲናታቱን ዋልታታቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሃቦም።
11
እቶም ሓለውቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሮም ክሳዕ ፀጋማይ መኣዝን እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤተ መቕደስን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቆሙ።
12
ሽዑ ኻህን ዮዳሄ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኡ ዘውዲ ደፍአሉ፤ መፅሓፍ ኪዳን ድማ ሃቦ። ቀቢኦምውን ኣንገስዎ፤ እናጣቕዑ ድማ “ንጉስ ሽሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
13
ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም ሓለውትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፥ ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት።
14
እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓምዲ ቖይሙ ነበረ፤ እቶም ኣዘዝትን እቶም መለኸት ዝነፍሑን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።
15
ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
16
ሽዑ ሓዝዋ፤ ናብቲ ኣፍራስ ዝኣትዉሉ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ እውን ወሰድዋ፤ ኣቡኡ ድማ ቐተልዋ።
17
ዮዳሄ ድማ እቶም ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ፥ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ቃል ኪዳን ገበረ፤ ኣብ መንጎ ንጉስን ኣብ መንጎ ህዝብንውን ቃል ኪዳን ገበረ።
18
ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣትዮም ነቲ ቤት ኣፍረስዎ፤ መሰውኢታቱን ምስልታቱንውን ሰባበሩ፤ ንማታን ካህን ጣዖት በዓል ከዓ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሓረድዎ። ዮዳሄ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ።
19
ዮዳሄ ምስቶም ኣዘዝትን ሓለውቲ ንጉስን ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓሻኽርን ህዝብን ኮይኑ፤ ንንጉስ ኢዮኣስ ካብ ቤት እግዚኣብሄር በታ ኣፍ ደገ ሓለውቲ ገይሮም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅእዎ። ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ዙፋን ነገስታት ተቐመጠ።
20
ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጐሰ። ጎቶልያ ኣብ ቤተ መንግስቲ ተቐቲላ ስለ ዝነበረት እታ ኸተማ ሃድአት።
21
ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ።
← Chapter 10
Chapter 12 →