bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 9
2 Corinthians 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዛዕባ ነቶም ቅዱሳን ዝኸውን ረድኤት ክፅሕፈልኩም ዘድሊ ኣይመስለንን።
2
ክትሕግዙ ድልዋት ምዃንኩም እፈልጥ እየሞ። “እቶም ኣብ ኣካይያ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ካብ ዓሚ ጀሚሮም፥ ንምሕጋዝ ዝተዳለዉ እዮም” እናበልኩ፥ ኣብ ሰብ መቄዶንያ ተመኪሐልኩም እየ። እቲ ትግሃትኩም ከዓ፥ ንብዙሓት ኣነቓቒሕዎም ኣሎ።
3
እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ በዝ ተግባር እዙይ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን ግና፥ ከምቲ ዝበልክዎ ተዳሊኹም ክትፀንሑ፥ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ።
4
እዙይ ከዓ፥ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መፁ እሞ፥ ከይተዳለኹም እንተ ፀኒሕኹም፥ ብኣኻትኩም ብምምካሕና፥ ንሕና ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንስኻትኩምውን ከይትሓፍሩ ኢለ እየ።
5
ስለዙይ ነቲ ቕድም ኢሉ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ውህብቶ፥ ተዳልዩ ምእንቲ ኽፀንሕ፥ ኣቐዲሞም ናባኻትኩም ክኸዱ፥ ነቶም ኣሕዋት ጠየቕኩዎም። እዙይ ከዓ ፈቲኹም እምበር፥ ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኸረድእ እዩ።
6
እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
7
እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ እንተይፈተወ ወይ ብግዲ ዘይኮነስ፥ ከምቲ ብልቡ ዝሓሰቦ ይሃብ።
8
ከምቲ መፅሓፍ “ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር” ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ።
10
እቲ ንዘራኢ ዘርኢ፥ ንተመጋቢ ምግቢ ዝህብ ኣምላኽ፥ ዘርኢ ኽህበኩምን ከበርክተልኩምን፥ ናይ ፅድቅኹም ፍረውን ከብዝሐልኩም እዩ።
11
ኵልሻዕ ለጋሳት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብዅሉ ወገን ከሀብትመኩም እዩ፤ እቶም ውህብቶኹም፥ ብኢድና ኣቢሉ ዝበፅሖም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
12
እዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፥ ናይቶም ቅዱሳን ጐደሎ ምምላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንእግዚኣብሄር ዝበለፀ ምስጋና ኸም ዝቐርብ ይገብር እዩ።
13
እዝ ናይ ልግስኹም ኣገልግሎት፥ ንስኻትኩም፥ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ወንጌል ክርስቶስ፥ እሙናት ከም ዝኾንኩምን፥ ንኣኣቶምን ንዅሉን ለጋሳት ከም ዝኾንኩም ስለ ዘረድእ፥ ብዙሓት ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
14
ንሳቶም ንኣኻትኩም ይፅልዩልኩም እዮም። ስለ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ መጠን ዘይብሉ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ክሪኡኹም ይናፍቑ እዮም።
15
ስለ እቲ ኽንገር ዘይከኣል ውህብቶኡ፥ እግዚኣብሄር ይመስገን።
← Chapter 8
Chapter 10 →