bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 8
2 Corinthians 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና።
2
ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም።
3
ባዕልቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞምን፥ አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን፥ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ።
4
ቅዱሳን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ፥ ግደ ኽወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና።
5
ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ።
6
ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና።
7
ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።
8
እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ።
9
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
10
እዙይ ይጠቕመኩም እዩሞ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝምዕደኩም፥ ብምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንምሃብ ብምሕሳብውን፥ ቀዳሞት ዝነበርኩም ንስኻትኩም ኢኹም።
11
ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ድልየት፥ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ፥ ነቲ ሰናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈፅምዎ።
12
ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።
13
እዙይ ከዓ ንኣኣቶም ክምችዎም፥ ንኣኻትኩም ግና ክፅግመኩም ኢለ ዘይኮነስ፥ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ።
14
ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
16
ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ።
17
ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ፥ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ፥ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ።
18
ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል፥ ብዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ሓው፥ ንሰደልኩም ኣለና።
19
ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ዘለና ሓልዮትን፥ ክነርኢ ኢልና፥ ናይ ልግሲ ፀጋ ኽነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፥ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓረያኦ እዩ።
20
ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመሓድር፥ እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና።
21
ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ።
22
ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ።
23
ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም።
24
እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም።
← Chapter 7
Chapter 9 →