bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 10
2 Corinthians 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
2
ነቶም ብስጋዊ መንገዲ ኸም እንነብር ገይሮም ዝቘፅሩና ሰባት፥ ብድፍረት ክምልሰሎም እኽእል እየ፤ እንተ ኾነ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብድፍረት ኣብ ምዝራብ ከይተብፅሑኒ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
3
ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።
4
ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ።
5
በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።
6
ንስኻትኩም ብተኣዛዝነት ፍፁማት ምስ ኮንኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘይእዘዝ፥ ክንቀፅዖ ድልዋት ኢና።
7
ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ተመልከቱ፤ ሓደ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ዝኣምን እንተ ሃልዩ፥ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዝተርድአ፥ ንሕናውን ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾንና፥ ክሓስብ ይግብኦ።
8
በቲ ጐይታ ንመፍረሲኹም ዘይኮነስ፥ ንምህናፅኩም ዝሃበና ስልጣን፥ ቁሩብ ሕልፊ ገይረ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ፥ ኣይሓፍርን እየ።
9
ብመልእኽታተይ ገይረ፥ ከፈራርሐኩም ዝደለኹ ኣይምሰልኩም።
10
ሓድሓደ ሰባት “እተን መልእኽቲታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል እንትረአ ግና፥ ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ።
11
እቶም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ርሑቕ እንተለና ብመልእኽቲታትና እንብሎ፥ ብኣካል ኣብኡ ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ ከምኡ ኸም እንብል ይፍለጡ።
12
ምስቶም ባዕልቶም ንባዕላቶም ዝንእዱ፥ ርእስና ኽንቈፅር ወይ ክነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ንሳቶም ንርእሶም፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዛዝኑ፥ ንርእሶም ከዓ፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዓራርዩ፥ ዘየስተውዕሉ እዮም።
13
ንሕና ግና ናባኻትኩም ክሳዕ እንበፅሕ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝወሰነልና መጠን እምበር፥ ካብ መጠን ሓሊፍና ኣይንምካሕን ኢና።
14
ቅድሚ ዅሉ፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና፤ ስለዙይ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና፥ ካብ ዝተወሰነልና ዝሓለፍና ኣይመስለንን።
15
ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ሓሊፍና፥ በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ፥ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ፥ ተስፋ ንገብር ኣለና።
16
ኣብቲ ኻልኦት ኣቐዲሞም ብዝሰርሑሉ እንተይተመካሕና፥ ካባኻትኩም ሓሊፍና፥ ናብ ካልኦት ሃገራት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።
17
“እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥
18
እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።
← Chapter 9
Chapter 11 →