bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 7
2 Corinthians 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
2
ልብኹም ኣስፊሕኹም ክፈቱልና፤ ንሕና ንሓደኳ ኣይዓመፅናን፤ ንሓደኳ ኣይጐዳእናን፤ ንሓደውን ኣይተበለፅናሉን።
3
እዝ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ክወቕሰኩም ኢለ ኣይኮንኩን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም፥ ኣብ ልብና ኢኹም ዘለኹምሞ፥ ብህይወት እንተለና ወይ እንተ ሞትና፥ ኵልሻዕ ብሓደ ኢና።
4
ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።
5
ኣብ መቄዶንያ ምስ በፃሕና ድማ፥ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፥ ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።
6
እቲ ንዝሓዝኑ ዘፀናንዕ እግዚኣብሄር ግና፥ ብምምፃእ ቲቶ ገይሩ ኣፀናንዐና።
7
ግና በቲ ንሱ ኻባኻትኩም ዝረኸቦ ምፅንናዕ ደኣ እምበር፥ ብምምፃኡ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ናተይ ናፍቖት ከም ዘለኩም፥ ከም እተናሳሕኹም፥ ንኣይውን እምብዛ ኸም እትሓልዩ ምስ ነገረና፥ የመና ተሓጐስኩ።
8
ብመልእኽተይ ኣጕህየኩም እንተ ኾንኩ እኳ፥ ኣየናስሐንን እዩ። ቅድም ግና ንጊዜኡ እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ዘጕሀኹኹም ስለ ዝፈለጥኩ ኣናሲሑኒ ነይሩ።
9
ሕዚ ግና ስለ ዘጕሀኹኹም ዘይኮነስ፥ ብኣና ምኽንያት፥ ዝኾነ ጕድኣት ስለ ዘይበፅሐኩምን፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ንንስሃ ስለ ዝጐሀኹምን፥ እሕጐስ ኣለኹ።
10
ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።
11
እንሆ እዝ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝጐሀኹምዎ፥ ክትፅዕሩን ካብ በደል ንፁሃት ምዃንኩም ክተረድኡን ገበረኩም። ሓጢኣት ምፅላእን፥ ፍርሓት እግዚኣብሄር ከም ዝህልወኩምን፥ ከም እትናፍቑን መንፈሳዊ ቅንኣት ከም ዝሓድረኩምን፥ ብቕንዕና ኸም እትፈርዱን እውን ገበረኩም። በዝ ነገር እዙይ፥ ብዅሉ ንፁሃት ከም ዝኾንኩም ኣመስከርኩም።
12
እምበኣር ኣነ ዝፀሓፍኩልኩም፥ ብኣና ኸም እትግደሱ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ግሁድ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ እምበር፥ ብዛዕባ በዳሊ ወይ ብዛዕባ ተበዳሊ ኢለ ኣይኮንኩን፥ ዝፀሓፍኩልኩም።
13
ስለዙይ ድማ ተፀናናዕና። ኣብቲ ናትና ምፅንናዕ ብተወሳኺ፥ ቲቶ ብምሕጓሱን ንመንፈሱ ስለ ዘዕረፍኩምዎን፥ ብዝበለፀ ተሓጕስና ኣለና።
14
ኣነ ኸም ዝምክሐልኩም ንቲቶ ነጊረዮ ነይረ፤ ንስኻትኩምውን ኣየሕፈርኩምንን። ከምቲ ዅሉ ንኣኻትኩም ዝነገርናኩም፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ብዛዕባኻትኩም ተመኪሕና ንቲቶ ዝነገርናዮውን፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ።
15
ከም ዝተኣዘዝኩምዎን፥ ብፍርሓትን ብራዕድን ከመይ ጌርኩም ከም ዝተቐበልኩምዎን እናዘከረ፥ ኣባኻትኩም ዘለዎ ፍቕሪ እምብዛ ዓብዪ እዩ።
16
ብዅሉ እተኣማመነልኩም እየሞ፥ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ።
← Chapter 6
Chapter 8 →