bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 12
2 Corinthians 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብምምካሕ ዝርከብ ጥቕሚ እንተ ዘይሃለወኳ፥ ምምካሕ እንተ ኣድልዩስ፥ ካብ ጐይታ ብዘሎ ራእይን ምግላፅን፥ ክምካሕ እየ።
2
ቅድሚ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ሓደ ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብ፥ ክሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ እፈልጥ። ብስጋኡ ይኹን ካብ ስጋኡ ወፃኢ ኣይፈልጥን እየ፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።
3
እዝ ሰብ እዙይ ዝተወሰደ፥ ብስጋ ይኹን ኣይኹን ኣይፈልጥን፤ እግዚኣብሄር ይፈልጥ።
4
እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወሰደ፤ ኣብኡ ከዓ ኽንገር ዘይከኣል፥ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ሰምዐ።
5
በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ኽምካሕ እየ፤ ብዛዕባ ርእሰይ ግና፥ ብድኻመይ እንተ ዘይኮይኑ ኣይምካሕን እየ።
6
ክምካሕ እንተ ዝደልስ፥ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ከም ዓሻ ኣይምተቘፀርኩን። ኣነ ግና፥ ሕዚ ሓደኳ ብዛዕባይ፥ ልዕሊ እቲ ኣባይ ዝሪኦን፥ ካባይ ዝሰምዖን ምእንቲ ኸይግምተኒ፥ ሸለል ኢለ እሓድጎ ኣለኹ።
7
ብምኽንያት እቲ ብዙሕ ዝተገልፀለይ፥ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸዓ፥ ስጋይ ዝወግእ፥ ናይ ሰይጣን ልኡኽ ተውሃበኒ።
8
እዙይ ካባይ ንኸርሕቐለይ፥ ንጐይታ ሰለስተ ሻዕ ለመንክዎ።
9
ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
10
እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
11
ከም ዓሻ እየ ዝተዛረብኩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓሻ ኽዛረብ ዝገበርኩምኒ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ክትንእዱኒ ዝግብአኩም ዝነበረስ፥ ንስኻትኩም ኢኹም። ዘይረብሕ እኳ እንተ ኾንኩ፥ ካብቶም “ብሉፃት ሃዋርያት” ኢና ዝብሉ፥ ኣይንእስን እየ።
12
ኣነ ሃዋርያ ኸም ዝኾንኩ ዘረድእ፥ ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ዘደንቕ ነገራትን፥ ምስ ብዙሕ ትዕግስቲ፥ ኣብ ማእኸልኩም ተገይሩ እዩ።
13
ሓግዙኒ ብምባል፥ ንኣኻትኩም ዘይምፅጋመይ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካብቶም ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘጕደልኩልኩም እንታይ እዩ? እዚኣ በደል እንተ ደኣ ኾይና፥ ይቕረ በሉለይ።
14
እንሆ ናባኻትኩም ክመፅእ እንትዳሎ፥ እዙይ ሳልሳየይ እዩ፤ ሕዚ እውን ሸኽሚ ክኾነኩም ኣይደልን። ኣነ ንኣኻትኩም እምበር፥ ገንዘብኩም ኣይኮንኩን ዝደሊ። ወለዲ እዮም ንውሉዶም ገንዘብ ከዋህልሉሎም ዝግባእ እምበር፥ ውሉድ ኣይኮኑን ንወለዲ ዘዋህልሉሎም።
15
ኣነ ዅሉ ዘለኒ፥ ህይወተይውን እንተይተረፈ፥ ምእንታኻትኩም ኣሕሊፈ ኽህብ፥ ሕጉስ እየ። ኣብሊፀ ስለ ዘፍቀርኩኹም ዲኹም፥ ኣንኢስኩም ተፍቅሩኒ ዘለኹም?
16
ሸኽሚ ኣይኮንኩኹምን፥ ግና ብጕርሒ ተጣቢበ ዝሓዝኩኹም እምበር።
17
በቶም ናባኻትኩም ዝለኣኽኩዎም ገይረዶ፥ ተበሊፀልኩም እየ?
18
ንቲቶ ናባኻትኩም ክኸይድ ለሚነዮ ነይረ፤ ምስኡውን ሓደ ሓው ሰዲደ ነይረ፤ ቲቶ ደኾን ተበሊፁልኩም ኮይኑ? ኣነን ንሱን፥ ብሓደ መንፈስን ብሓደ መንገድንዶ፥ ኣይኮንናን እንሰርሕ?
19
ኣብ ቅድሜኹም፥ ንባዕልትና ኽንከላኸል ዝፀናሕናዶ ይመስለኩም? ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ፍቓድ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኢና እንዛረብ ዘለና፤ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትህነፁ እዩ።
20
ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።
21
ከምኡውን እግዚኣብሄር ብሰንክኹም ከየሕፍረኒ፥ እዙይ ከዓ እቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገብሩ ዝነበሩ፥ ካብቲ ዝገብርዎ ርኽሰትን ምንዝርናን ዕብዳንን፥ ብዙሓት እንተይተነስሁ ኸይፀንሑ እሞ፥ ከይጕሂ እፈርሕ ኣለኹ።
← Chapter 11
Chapter 13 →