bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 13
2 Corinthians 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናባኻትኩም እንትመፅእ፥ እዙይ ሳልሳይ ጊዜይ እዩ። “ነገር ዝቐውም፥ ብኣፍ ክልተ ወይ ብሰለስተ ምስክር እዩ።”
2
ካልኣይ ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ፥ ኣጠንቂቐዮም ከም ዝነበርኩ፥ ሕዚ እውን ኣብ ርሑቕ ኮይነ፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩን፥ ነቶም ካልኦትን፥ ኣጠንቅቖም ኣለኹ። ኣብ ምምፃአይ ንሓደኳ ኣይርህርሀሉን፤
3
እዙይውን፥ ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ኸም ዝዛረብ መረጋገፂ ስለ እትደልዩ እዩ። ክርስቶስ፥ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊ እምበር፥ ብድኻም ኣይግለፅን እዩ።
4
ብርግፅ ክርስቶስ ብድኻም እዩ ተሰቒሉ፤ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ግና፥ ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ንሕናውን ተኻፈልቲ ድኻሙ ኢና፤ ኣብ ማእኸልኩም ክንሰርሕ እንተለና ግና፥ ብሓይሊ እግዚኣብሄር፥ ህያዋን ኴንና ኽንነብር ኢና።
5
ብእምነት እንተሊኹም፥ ርእስኹም ፈትኑ፤ ርእስኹም መርምሩ፤ ወይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ፥ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም? እዙይ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ዘይብቑዓት ኢኹም።
6
ንሕና ግና፥ ብቑዓት ከም ዝኾንና፥ ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር።
7
ከቶ ኽፉእ ኸይትገብሩ፥ ንእግዚኣብሄር ንልምኖ ኣለና። ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝወደቕና እንተ ተቘፀርና እኳ፥ ንስኻትኩም ሰናይ ምእንቲ ኽትገብሩ እምበር፥ ንሕና ኣብ ፈተና ኸም ዝሰዓርና ምእንቲ ኽነርኢ ኣይኮነን፥ እንፅልዮ ዘለና።
8
ንሕና ንሓቂ ዝድግፍ እምበር፥ ንሓቂ ዝፃረር፥ ሓደኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና እሞ።
9
ከምኡውን ንሕና ደኺምና፥ ንስኻትኩም እንተ ጠንኪርኩም ኢና እንሕጐስ። ፀሎትናውን፥ ንስኻትኩም ፍፁማን ምእንቲ ኽትኮኑ እዩ።
10
ምእንቲ እዙይ፥ በቲ ጐይታ ኸፍርሰሉ ዘይኮነስ፥ ክሃንፀሉ ዝሃበኒ ስልጣን፥ ምስ መፃእኹ ምእንቲ ኸየበርትዐልኩም፥ ገና ርሑቕ እንተለኹ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።
11
ብዝተረፈ፥ ኣሕዋተይ፥ ደሓን ኩኑ፤ ፍፁማን ኩኑ፤ ምኽረይ ስምዑ፤ ሓደ ልቢ ኹኑ፤ ብሰላም ንበሩ፤ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከዓ፥ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
12
ንስንሳትኩም ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ።
13
ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
14
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሕብረት መንፈስ ቅዱስን፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 12