bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Corinthians 11
2 Corinthians 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደለኹ፤ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ።
2
ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ።
3
ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።
4
ስለ ምንታይ፥ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፥ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ፥ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም።
5
ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን።
6
ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።
7
ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ፥ ርእሰይ ኣትሒተ፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ፥ ሓጢኣት ገይረ እየ?
8
ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፥ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ፥ ወፂዐየን እየ።
9
ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ።
10
ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
11
ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ።
12
ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ።
13
ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።
14
ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ።
15
ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
16
ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ።
17
ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ።
18
ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ።
19
ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም፥ ነቶም ዓያሹ፥ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣለኹም፤
20
ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም።
21
ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር፥ ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተ ሃልዩ ግና፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዅሉ ግና፥ ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ።
22
ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ።
23
ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣነ እበልፆም። ካብኣቶም ሕልፊ ዝፀዓርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበፃሕኹ እየ።
24
ሓሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ።
25
ሰለስተ ሻዕ፥ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። እታ ዝነበርክዋ መርከብ፥ ሰለስተ ሻዕ ተሰብረት። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን፥ ኣብ ባሕሪ ፀለል በልኩ።
26
ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ።
27
ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ።
28
ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ።
29
መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ?
30
ምምካሕ ዝግባእ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
31
እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ።
32
ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመሓድር ዝነበረ ሹም፥ ክሕዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ።
33
ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።
← Chapter 10
Chapter 12 →