bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 9
2 Chronicles 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንግስተ ሳባ ዝና ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፥ ብሕንቅሕንቅሊተይ ክትፍትኖ፥ ብዙሕ ሽቱን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝተፅዓና ኣግማል ሒዛ ናብ ኢየሩሳሌም መፀት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፥ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ነገረቶ።
2
ሰሎሞን ከዓ ነቲ ዅሉ ዝጠየቐቶ ገለፀላ፤ ክገልፀላ ዘይከኣለ ነገር ድማ ኣይነበረን።
3
ንግስተ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እቲ ዝሰርሖ ቤተ መንግስትን፥
4
መብልዕ ማእዱን፥ ኣቀማምጣ ሹመኛታቱን ኣቀዋውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን፥ ኣሰለፍቲ ወይኑን ኣከዳድናኦምን፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘዕርጎ መስዋዕትን ምስ ረአየት፥ ውኖኣ ተመሰጠ።
5
ንንጉስ ከዓ ኸምዙይ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕኽዎ ነገር ሓቂ እዩ።
6
መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፥ ነቲ ዘረባኣቶም ኣይኣመንክዎን፤ እንሆ ኸዓ፥ ፍርቂ ዕቤት ጥበብካ እኳ ኣይነገሩንን። ንስኻስ ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ትበልፅ ኢኻ።
7
እዞም ሰብካን፥ እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ቖይሞም ጥበብካ ዝሰምዑ ሓሻኽርካን፥ ክንደይ ዕድለኛታት እዮም!
8
እቲ ብስሙ ኽትገዝእ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዘቐመጠካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቡሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘለኣለም ከበርትዖ ስለ ዝደለየ፥ ፍርድን ፅድቅን ምእንቲ ክትገብር፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ኣንገሰካ።”
9
ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ሽቱን ክቡር ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስተ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ሽቱ፥ ከቶ ኣይነበረን።
10
እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምፅኡ ሓሻኽር ኪራምን ሓሻኽር ሰሎሞንን፥ ዕንፀይቲ ሰንደልን ክቡር ዕንቊን ከዓ የምፅኡ ነበሩ።
11
ንጉስ ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፥ ንመዘምራን ዝኸውን ከዓ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለ ኸዓ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድሚኡ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
12
ንጉስ ሰሎሞን ንንግስተ ሳባ ኻብ እቲ ዅሉ ናብኡ ዘምፅአትሉ፥ ዝበልፅ፥ ኵሉ ዘፈተወቶን ኵሉ ኻብኡ ዝለመነቶውን ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ሓሻኽራ ናብ ሃገራ ኸደት።
13
ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዘምፅእዎ ዝነበሩ፥ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዝኣትዎ ዝነበረ ወርቂ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ። ኵሎም ነገስታት ዓረብን ሹመኛታት ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምፅኡሉ ነበሩ።
15
ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ገይሩ ኽልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ኣስታት ሸውዓተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ።
16
ብቕጥቁጥ ወርቂ ገይሩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ኣናእሽተይ ዋልታታት ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ድማ ኣስታት ሰለስተ ኺሎ ግራም ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብታ ዱር ሊባኖስ እትበሃል ኣዳራሽ ኣንበሮ።
17
ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ገይሩ ዓብዪ ዙፋን ሰርሐ፤ ብፅሩይ ወርቂውን ለበጦ።
18
እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ።
19
ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ምስሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ዙፋን ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
20
ኵሉ ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ኣዳራሽ ዝነበረ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ኣይቝፀርን ነበረ።
21
ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ፤ ንሳተን ከዓ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓደሻዕ ይመፃ ነበራ።
22
ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ በለፀ።
23
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዘሕደረሉ ጥበብ ምእንቲ ኽሰምዑ፥ ገፅ ሰሎሞንውን ክሪኡ ይምነዩ ነበሩ።
24
ንሳቶም ከዓ ነፍሲ ወከፎም ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣፅዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ዓመት ገፀ በረኸት የምፅኡሉ ነበሩ።
25
ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ኣስርሐ፤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ፈረሰኛታትውን ነበርዎ። ንገሊኣቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ንገሊኣቶም ድማ ኣብቲ ሰረገላታት ዝቕመጥዎ ኸተማታት ኣቐመጦም።
26
ካብ ሩባ ኤፍራጥስ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ዅሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ።
27
እቲ ንጉስ ከዓ ንብሩር ኣብ ኢየሩሳሌም ከም እምኒ ከም ዝበዝሕ ገበሮ፥ ብዝሒ ዝግባውን ኣብ ቈላ ኸም ዝበቊል ሳግላ ገበሮ።
28
ንሰሎሞን ካብ ግብፅን ካብ ኵለን ሃገራትን ኣፍራስ የምፅኡሉ ነበሩ።
29
እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ታሪኽ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን ኣብ ታሪኽ ነቢይ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣኪያ በዓል ሴሎን ኣብ ራእይ ኣዶ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ራእይ ኣዶ ብዛዕባ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥውን ዝዛረብ እዩ።
30
ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝአ።
31
ሰሎሞን ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።
← Chapter 8
Chapter 10 →