bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 8
2 Chronicles 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰሎሞን፥ ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ባዕሉ ቤትን ዝሰርሐለን ዕስራ ዓመታት ምስ ተወድኣ፥
2
ሰሎሞን ነተን ኪራም ዝሃቦ ኸተማታት ሰርሐን፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብኣተን ኣቐመጦም።
3
ሰሎሞን ከዓ ናብ ምድሪ ሓማትሱባ ኸደ፤ ኣሰነፋውን።
4
ኣብ ምድረ በዳ ድማ ንኸተማ ታድሞርን ንዅለን እተን ኣብ ሓማት ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን ሰርሐን።
5
ንላዕለዋይ ንቤትሖሮን ንታሕተዋይ ቤትሖሮን መካበብያታትን መዓፁን መሸጐሪታትን ዘለወን ዝተዓረዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን።
6
ንኸተማ በዓላትን ንዅለን እተን ናይ ሰሎሞን ቤተ መዛግብቲ ዝነበራ ኸተማታትን፥ ኵለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን፥ ከም ድሌቱ ገይሩ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለዮ ሰርሐ።
7
ሰሎሞን ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፌርዛውያንን ሓዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ ኻብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ዅሎም ህዝቢ፥
8
ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ንኣኣቶም ክሳዕ ሎሚ ገባራት ገይሩ ግዙኣት ገበሮም።
9
ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፥ ተዋጋእትን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክኾኑ እምበር፥ ባሮት ኣይገበረን።
10
ካብዚኣቶምውን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስልጣን ዝነበሮም ናይ ንጉስ ሰሎሞን ዋናታት ኣሕሉቕ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
11
ሰሎሞን “ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፥ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ እዩ እሞ፥ ሰበይተይ ኣብኡ ኽትነብር ኣይግብኣን እዩ” ስለ ዝበለ፥ ንጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ኣውፂኡ ናብታ ዝሰርሐላ ቤት ኣደየባ።
12
ሽዑ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝሰርሖ መሰውኢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበሉ።
13
ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸም ስርዓቶም በብመዓልትን በብሰናብትን በብሰርቂ ወርሕን፥ በተን ኣብ ዓመት ሓድሓደ ጊዜ ዝውዕላ ምዱባት ሰለስተ በዓላትን፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን ይስውእ ነበረ።
14
ከምቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣቦኡ ዳዊት፥ ሰሪዕዎን ኣዚዝዎን ዝነበረ ድማ ነቶም ካህናት በብመዓልቶም ከገልግሉ፥ ነቶም ሌዋውያን ከዓ በብመዓልቶም ከምቲ ዝግባእ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ነቶም ካህናት ክሕግዙን መደቦም። ነቶም ሓለውቲ በርታት ከዓ በብኽፍሎም ኣብ ደገ ኽሕልዉ ኣቖሞም።
15
እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ኣቑሑ ቤተ መቕደስን ካልእ ስራሕን ዝኣዘዞም ሓለውዎ።
16
ከምዙይ ኢሉ ዅሉ እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ካብ ምስራት ክሳዕ ምፍፃም ተዳለወ፤ እታ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተፈፀመት።
17
ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ናብ ዘለዋ ዔፅዮንጋብርን ኤላትን ዝበሃላ ወደባት ከደ።
18
ኪራም ድማ ብሓሻኽሩ ገይሩ መራኽብን ባሕረኛታት ሓሻኽርን ሰደደሉ፤ ንሳቶምውን ምስ ሓሻኽር ሰሎሞን ናብ ኦፊር ከዱ። ካብኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምፅኡ።
← Chapter 7
Chapter 9 →