bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 10
2 Chronicles 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኵሎም እስራኤል ከንግስዎ ናብ ሴኬም መፂኦም ነበሩሞ ሮብዓም ናብ ሴኬም ከደ፤
2
ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ናብ ግብፂ ኸይዱ ነበረሞ፥ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ኢዮርብዓም ካብ ግብፂ ተመለሰ።
3
ልኢኾም ድማ ፀውዕዎ። ሽዑ ኢዮርብዓምን ኵሎም እስራኤልን መፂኦም ንሮብዓም፥
4
“ኣቦኻ ኸቢድ ኣርዑት ኣሸከመና፤ ሕዚ ግና ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዘሸከመና ኸቢድ ኣርዑትን ኣቕልለልና፤ ንሕናውን ክንግዝአካ ኢና” በልዎ።
5
ንሱ ድማ፦ “ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ” በሎም፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ኸዱ።
6
ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ እንተሎ ዘማኽርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ “ነዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ክምልሰሉ ትመኽሩኒ?” ኢሉ ጠየቖም።
7
ንሳቶም ከዓ “ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሕያዋይ እንተ ኾንካሎም፥ እንተ ለዋህኻሎም፥ ጥዑም ዘረባውን እንተ ኣስማዕኻዮም፥ ንሓዋሩ ሓሻኽር ኮይኖም ከገልግሉኻ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።
8
ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፥ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ይቖሙ ዝነበሩ መናእሰይ ተማኸረ።
9
“ነዞም ‘እቲ ኣቦኻ ዘሸከመና ኣርዑት ኣቕልለልና’ ዝብሉኒ ዘለዉ ህዝቢ እንታይ ክምልሰሎም ተማኽሩኒ?” ድማ በሎም።
10
እቶም መተዓብይቱ ዝኾኑ መናእሰይ ከዓ “ነዞም ‘ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፥ ንስኻ ግና ኣቕልለልና’ ኢሎም ዝተዛረቡኻ ህዝቢ ‘እዛ ንእሽተይ ኣፃብዕተይ፥ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ።
11
ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ።
12
ከምቲ እቲ ንጉስ “በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ኢሉ ዝተዛረቦም ድማ፥ ኢዮርብዓምን ኵሉ እቲ ህዝብን ኮይኖም፥ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መፁ።
13
ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣትሪሩ መለሰሎም።
14
“ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ኣሸከመኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መናእሰይ ገይሩ ተዛረቦም።
15
ነቲ እግዚኣብሄር ንኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ በዓል ሴሎ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኽፍፅሞ፥ ካብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፥ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16
ሽዑ ዅሎም እስራኤል፥ እቲ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፥ እቶም ህዝቢ፦ “ምስ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣለና? ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን፤ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል! ነናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። ኣታ ዳዊት ሕዝስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም ንንጉስ መለሱሉ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳናቶም ከዱ።
17
ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18
ንጉስ ሮብዓም ነቲ ኣገባሪ ዝነበረ ኣዶኒራም፥ ናብ እስራኤላውያን ሰደዶ። ደቂ እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ግና ናብ ሰረገላኡ ብቕልጡፍ ደዪቡ ናብ ኢየሩሳሌም ሃዲሙ ኣምለጠ።
19
ህዝቢ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ፥ በዝ ኸምዙይ ዓሚፆም ኣለዉ።
← Chapter 9
Chapter 11 →