bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 7
2 Chronicles 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ ድማ፥ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዖ፤ ነታ ቤተ መቕደስውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ።
2
ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብታ ቤተ መቕደስ ስለ ዝመልአ ኸዓ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን።
3
ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ሓዊ ኽወርድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ቤተ መቕደስ መሊእዋ ምስ ረአዩ፥ ኣብታ ብእምኒ ዝተነፀፈት ቦታ ብገፆም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፤ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፥ “ብሓቂ ንሱ ሰናይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ኢሎም ኣመስገንዎ።
4
ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።
5
ንጉስ ሰሎሞን ከዓ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዙይ ድማ እቲ ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ።
6
እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ ዝተመደበሎም ቆይሞም ነበሩ፤ እቶም ሌዋውያን ከዓ በቲ ንጉስ ዳዊት ዘዳለዎ መሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ። ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ድማ “ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብኡ ደው ኢሎም እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ኣብ መንፅር እቶም ሌዋውያን ኮይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ።
7
ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእኸላይ ዓፀድ ቀደሶ። እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ናይ እኽሊ ቝርባን ስብሑንውን ምሓዝ ኣይከኣለንሞ፥ ስብሒ ናይቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ኣቕረበ።
8
በቲ ጊዜ እቱይ ሰሎሞን ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብታ ንሃማት እተእቱ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ካብ ወሰን ግብፂ ዝመፁ ህዝቢ ኾይኖም ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ።
9
ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ቐዲሶም ሸውዓተ መዓልቲ እውን በዓል ገይሮም ነበሩሞ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ዝተቀደሰ ጉባኤ ገበሩ።
10
ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ነናብ ድንኳናቶም ሰደዶም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ሕጉሳትን ፍሱሓትን ኮይኖም ከዱ።
11
ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስቱን ሰሪሑ ፈፀመ፤ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ባዕሉ ቤትን፥ ከምቲ ዅሉ ኽሰርሖ ብልቡ ዝሓሰቦ ኣከናወነ።
12
እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገለፀሉ እሞ ኸምዙይ በሎ፦ “ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣውን ነኣይ ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ሓርየያ ኣለኹ።
13
“ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓፀኽዎ፤ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፥ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥
14
እዞም ብስመይ ዝተሰምዩ ህዝበይ ከዓ ርእሶም ኣዋሪዶም እንተ ለመኑ፥ ገፀይውን እንተ ደለዩ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፤ ሓጢኣቶም ከዓ ይቕረ ኽብለሎም፥ ምድሮምውን ክፍውስ እየ።
15
ሕዚ እውን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝፅለ ፀሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፥ ኣእዛነይውን ፅን ክብላ እየን።
16
ሕዚ ድማ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ንክኸውን፥ ነዛ ቤት እዚኣ መሪፀያ ኣለኹ፤ ቀዲሰያውን ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይንውን ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾኑ እዮም።
17
“ንስኻ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ገበርካ፥ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝገበሮ ሕግጋተይን ስርዓታተይን ብምሕላው እንተ ነበርካ፥
18
ከምቲ ነቦኻ ዳዊት፥ ኣብ እስራኤል ሓለቓ ዝኸውን ሰብ ካብ ዘርእኻ ኣይሰኣንን ኢለ ቓል ኪዳን ዝኣተኹሉ፥ ንዙፋን መንግስትኻ ኸፅንዖ እየ።
19
“ንስኻትኩም ግና ነኣይ ካብ ምኽታል እንተ ተመለስኩም፥ ነቲ ዝሃብኩኹም ስርዓታተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፥ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፥
20
ሽዑ ኻብዛ ነቦታትኩም ዝሃብኩዎም ምድሪ ኽነቕለኩም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከዓ፥ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፤ ኣብ መንጎ ዅሎም ኣህዛብ ድማ መመሰልን መሳለቕን ክገብራ እየ።
21
ነዛ ልዕል ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እናረአዩ፥ ኵሎም እቶም ብኣኣ ዝሓልፉ ሰባት ‘ስለ ምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ኣብዛ ሃገር እዚኣን፥ ኣብዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ዝገበረ?’ እናበሉ ኽግረሙ እዮም።
22
እቶም ህዝቢ ኸዓ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ነቦታቶም ዘውፅአ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎን፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ ስለ ዘምለኽዎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዝ ዅሉ ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኣቶም ኣምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”
← Chapter 6
Chapter 8 →