bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 6
2 Chronicles 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ሰሎሞን “እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግብ ዝበለ ፀልማት እነብር እየ” በልካ።
2
“ኣነ ግና፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ መሕደሪ ቤት ሰራሕኹልካ” በለ።
3
እቲ ንጉስ ድማ ገፁ መሊሱ ነቶም ኵሎም ኣብኡ ተኣኪቦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል መረቖም።
4
ንሱውን፦ “እቲ ነቦይ ዳዊት ብኣፉ ዝተናገረ ብኢዱውን ዝፈፀመ፥ ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ይመስገን፤
5
‘ንሱ ኻብታ ንህዝበይ ካብ ሃገር ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ፥ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝፅውዐሉ ቤት፥ ዝስርሐሉ ኸተማ ኣይመረፅኩን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ዝኸውን ሰብውን ኣይመረፅኩን።
6
ሕዚ ግና፥ ስመይ ኣብኣ ኽፅዋዕ ንኢየሩሳሌም መሪፀያ ኣለኹ፤ ንዳዊት ድማ ንህዝበይ እስራኤል ክመርሕ ሓርየዮ ኣለኹ’ ኢሉ እዩሞ።
7
“ኣቦይ ዳዊት ከዓ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሐሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።
8
እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት፦ ‘ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ሓሲብካ ስለ ዝነበርካ ፅቡቕ ገበርካ።
9
ግና እቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ወድኻ እዩ ንስመይ ቤት ዝሰርሐለይ እምበር፥ ንስኻ ኣይኮንካን ቤት እትሰርሐለይ’ በሎ።
10
“እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ዝተዛረቦ ቓል ፈፀሞ፤ እግዚኣብሄርውን ከምቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ነጊሰ ኣብ ልዕሊ ዙፋን እስራኤልውን ተቐመጥኩ። ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከዓ ቤት ሰሪሐ ኣለኹ።
11
ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዝሓዘት ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣለኹ።”
12
ድሕሪዙይ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቆይሙ፥ ክፅሊ ኣብ ቅድሚ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሐ።
13
ሰሎሞን ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምንዋሑ፥ ክልተ ሜትርን ዕስራን ሰንቲ ሜትር ዝምግፋሑ፥ ሓደ ሜትርን ሰላሳን ሰንቲ ሜትር ዝምብራኹ መድረኽ ብነሃስ ሰሪሑ ነበረ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ዓፀድ ከዓ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፤ ኣብ ቅድሚ ኵሉ እቲ ማሕበር እስራኤል ከዓ ተምበርኪኹ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ።
14
ከምዙይ ኢሉ ድማ ፀለየ፦ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ነቶም ብምሉእ ልቦም ብትእዛዝካ ዝነብሩ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ፤ ኣብ ምድሪ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የለን።
15
እቲ ንባርያኻ፥ ነቦይ ዳዊት፥ ዘተስፈኻዮ ሓለኻዮ፤ ነቲ ብቓልካ ዝተናገርካዮ፥ ከምዝ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፥ ብኢድካ ፈፀምካዮ።
16
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ‘ከምቲ ንስኻ ብትእዛዛተይ ዝነበርካ፥ ደቅኻ ኸዓ ብሕገይ ንኽኸዱ፥ ኣካይዳኦም እንተ ሓልዮም፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣይሰኣንን እዩ’ ኢልካ ዝሃብካዮ ተስፋ ሓልዎ።
17
ሕዚ ድማ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል! እቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ተስፋ ይፅናዕ።
18
“ግና፥ ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ? እንሆ፥ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይኽእሉን። እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስ ደኣ ኸመይ ትንእስ?
19
ግና ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ! ናብ ፀሎት ባርያኻን ልመናኡን ኣቕልብ፤ እወ፥ ነዝ ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዘቕርቦ ዘለኹ ፀሎትን ምህለላን ስማዕ።
20
ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ፥ ናብዛ ‘ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ’ ዝበልካያ ቦታ፥ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይጠምታ። ነቲ ኣነ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልዮ ፀሎትውን ስማዕ።
21
ነቲ ኣነ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝፅልይዎ ፀሎት ስምዓዮ። እወ፥ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ቦታ፥ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፤ ሰሚዕኻውን ይቕረ በል።
22
“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ፥ ሓቁ ምእንቲ ኽፍለጥ ከዓ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ድማ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኽምሕል እንተ መፀ፥
23
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ፍረድውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሮትካ ዳኛ ኹን፤ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ፍረድ፤ መንገዱውን ኣብ ልዕሊኡ መልሰሉ፤ ነቲ ንፁህ ኣፅድቆ፤ ከም ፅድቁውን ክፈሎ። ነቲ በዳሊ፥ በደሉ ናብ ርእሱ ኽምለስ ፍረዶ፤ ነቲ ንፁህ ከዓ ነፃ ኣውፅኣዮ።
24
“ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ብፀላኢ እንተ ተስዓሩ፥ እሞ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ፀለዩን እንተ ተማህለሉን፥
25
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከዓ ይቕረ በል፤ ናብዛ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
26
“ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ እንተ ተዓፅወ፥ ዝናም ከዓ እንተ ዘይዘነመ እሞ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ፀለዩ፥ ንስምካ እውን እንተ ኣኽበሩ፥ ስለ ዝቐፃዕኻዮም ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመለሱ፥
27
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፤ እታ ዝኸድዋ ቕንዕቲ መንገዲ ኣርእዮም፤ ሓጢኣት ባሮትካ ህዝቢ እስራኤል ይቕረ በል፤ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።
28
“ኣብ ሃገር፥ ጥሜት እንተ ኾነ፥ ፌራ እንተ ኾነ፥ ሕሞድያ ወይ ሃጕ፥ ኣንበጣ ወይ ኵብኵብታ እንተ መፀ፥ ወይ ፀላኢኦም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፥ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀ፥
29
እሞ ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሕማሙን ጓሂኡን ፈሊጡ፥ ብፀሎትን ምህለላን ኣእዳዉ ናብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥
30
ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ፤ ይቕረውን በል፤ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ምእንቲ ኸኽብሩኻን ክእዘዙኻን፥ ንነፍሲ ወከፍ ናይ ልቡ ፈሊጥካ፥ ከከም መንገዱ ሃቦ።
32
“ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና፥ ብዛዕባ እዝ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ ብርቱዕ ሓይልኻን፥ ብዛዕባ ዝገበርካዮ ዓበይቲ ተኣምራትን ሰሚዑ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መፀ፥ ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸዓ እንተ ፀለየ፥ ንስኻ ኣብ መሕደሪኻ ኣብ ሰማይ ስማዕ።
33
ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሑኻ፥ እዛ ዝሰራሕኽዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ብስምካ ኸም ዝተሰምየት ክፈልጡስ፥ ንስኻ ኣብ ሰማይ፥ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ስምዓዮ፤ ነቲ ጓና ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ዝለመነካ ግበረሉ።
34
“ንህዝብኻ ኣብ ዝኾነ ቦታ ምስ ፀላእቶም ወፂኦም ክዋግኡ እንተ ኣዘዝካዮም፥ እሞ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም ናባኻ ናብ እግዚኣብሄር እንተ ፀለዩ፥
35
ሽዑ ንስኻ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍርዲ ግበረሎም።
36
“ሰብ ኮይኑ ዘይብድል የለን እሞ፥ ህዝብኻ እንተ በደሉኻ፥ ንስኻ ድማ ተቘጢዕኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም፥ እሞ ናብ ርሑቕ ኮነ ወይ ናብ ቀረባ ናብ ሃገር ፀላኢ ተማሪኾም እንተ ኸዱ፥
37
ኣብታ ተማሪኾም ዝኸዱዋ ሃገር ኮይኖም ብልቦም እንተ ተናስሑ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝኸድዋ ሃገር ኮይኖም ከዓ መሊሶም ‘ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን’ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፥
38
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
39
ሽዑ ኣብ ሰማይ፥ ኣብቲ ዘለኻዮ፥ ንፀሎቶምን ንምህለላኦምን ሰሚዕኻ ፍረደሎም። ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ በደሎም ይቕረ በለሎም።
40
“ሕዚ ኸዓ ኦ ኣምላኸይ! ኣዒንትኻ ናባና ዝጥምታ፥ ኣእዛንካውን ዘዳምፃ ክኾና እልምነካ ኣለኹ።
41
“ሕዚ ኸዓ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተስእ! ንስኻን ታቦት ሓይልኻን፥ ነዓ ናብ መዕረፊኻ ተስእ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ካህናትካ ድሕነት ይልበሱ፤ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሓጐሱ።
42
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንገፅ ቅቡእኻ ንድሕሪት ኣይትመልስ፤ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፈኻዮ ምሕረት ዘክር።”
← Chapter 5
Chapter 7 →