bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 35
2 Chronicles 35
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮስያስ ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋሲካ ኣብዓለ፤ በታ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ።
2
ኢዮስያስ ድማ ነቶም ካህናት በብእቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት መደቦም፤ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄርውን ብትግሃት ከገልግሉ ኣተባብዖም።
3
ነቶም ንዅሉ እስራኤል ዝምህሩ፥ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ ቕዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤተ መቕደስ ኣቕምጥዎ፤ ደጊም ኣብ ማእገርኩም ኣይትፆርዎን ኢኹም። ሕዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።
4
ከምቲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ሰሎሞን ወዱን ብፅሑፍ ዝኣዘዝዎ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም፥ በብኽፍልኹም ተዳለዉ።
5
“ንስኻትኩም በብማይ ቤት ተመዲብኩም ነንኽፍሊ ማይ ቤት ህዝቢ እስራኤል ክተገልግሉ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ቁሙ፤ መስዋእቲ ፋሲካውን ሕረዱ።
6
ንስኻትኩምውን ተቐደሱ፤ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ምእንቲ ኽፍፅሙስ፥ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።”
7
ንጉስ ኢዮስያስ ድማ እቶም ደቂ ህዝቢ ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎ፥ ካብ መጓሰኡ ሰላሳ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሽሕ ኣብዑርን ሃቦም።
8
እቶም ሹመኛታቱውን ብፍቓዶም ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝኸውን፥ ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም። እቶም ኣሕሉቕ ቤት እግዚኣብሄር ዝኾኑ ኬልቅያስን ዘካርያስን ይሒኤልን ድማ እቶም ካህናት ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእቲ ጡበታትን ወጣጡን ሰለስተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።
9
እቶም ኣሕሉቕ ሌዋውያን ዝኾኑ ኮናንያን ሸማያን ናትናኤልን ኣሕዋቱን ሓሸብያን ይዒኤልን ዮዛባትን ድማ፥ ሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋሲካ ዝሓርድዎም ሓሙሽተ ሽሕ ጡበታትን ወጣጡን ሓሙሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሃብዎም።
10
ኵሉ ኸምዙይ ኢሉ ምስተዳለወ፥ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብትእዛዝ ንጉስ በብኽፍሎም ኣብ በቦታኦም ቆሙ።
11
መስዋእቲ ፋሲካ ሓረዱ እሞ፥ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢድ ሌዋውያን እናተቐበሉ፥ ኣብቲ መሰውኢ ነፀግዎ። እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ገፈፍዎ።
12
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምእንቲ ኸቕርቡሉን፥ ነቶም ህዝቢ በብኽፍሊ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምእንቲ ኽዕድልዎምን፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ስጋ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገይሮም መቐልዎም።
13
ነቲ መስዋእቲ ፋሲካ ድማ ኸምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፤ ነቲ ቕዱስ መስዋእቲ ኸዓ ብቝራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፥ ንዅሎም ነቶም ህዝቢ ቐልጢፎም ዓደልዎም።
14
ድሕሪዙይ ድማ እቶም ሌዋውያን ብምጥባሕ፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሕታትን ብምዕራግ ክሳዕ ለይቲ ስለ ዝሰርሑ፥ እቶም ሌዋውያን ንኣኣቶምን ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮንን ዝበልዕዎ ስጋ ኣዳለዉ።
15
እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፥ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን ኤደታም እቲ ናይ ንጉስ ረኣዪን ዝሰርዕዎ፥ ኣብ ስፍራኦም ቆሙ፤ እቶም ሓለውቲ በርታትውን፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ስለ ዝነበሩ፥ ካብ ሰፈሮም ከግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16
ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ዅሉ እቲ ንኣገልግሎት እግዚኣብሄር ዝኸውን በዓል ፋሲካን ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል መስዋእትን በታ መዓልቲ እቲኣ ተዳለወ።
17
ከምኡ ኸዓ እቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል በዓል ፋሲካን በዓል ቅጫን ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ።
18
ካብ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ጀሚሩ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋሲካ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኢዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ዘብዓልዎ ፋሲካ ኻብ ኵሎም ቀዳሞት ነገስታት ሓደ እኳ ኸምኡ ዝገበረ ኣይነበረን።
19
እዝ በዓል ፋሲካ እዙይ ኢዮስያስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ ተገብረ።
20
ድሕሪዙይ ኢዮስያስ ኵሉ ንቤተ መቕደስ ዘድሊ ምስ ገበረ፥ ኒካዑ ንጉስ ግብፂ ኣብ ከርከሚሽ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ክዋጋእ ኢሉ ምስ ተልዓለ፥ ኢዮስያስ ከዓ ኽዋግኦ ወፀ።
21
ኒካዑ ግና ልኡኻት ሰዲዱ “ኣታ ንጉስ ይሁዳ፥ ምሳኻ እንታይ ባእሲ ኣለኒ? ኣነስ ናብቲ ዝዋግአኒ ዘሎ ፀላእየይ እየ ዝመፅእ ዘለኹ እምበር ናባኻ ኣይኮንኩን። ኣምላኽ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ ኣሎ፤ ስለዙይ እቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ከየጥፍአካስ ኣይትቃወመኒ” በሎ።
22
ኢዮስያስ ግና ኽዋጋእ ተበረታተዐ እምበር፥ ገፁ ኻብኡ ኣይመለሰን፤ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኽመስል ኢሉ ኸዓ ኽዳውንቱ ለወጠ። ነቲ ብኣፍ እግዚኣብሄር ዝተነግረ ቓል ኒካዑ ኣይሰምዖን፤ ስለዙይ ኣብ ለሰ መጊዶ ኽዋጋእ ከደ።
23
ንጉስ ኢዮስያስ ብወርወርቲ ዂናት ተወግአ፤ ንሓሻኽሩ ድማ “ብብርቱዕ ተወጊአ እየ እሞ፥ ካብዙይ ኣውፅኡኒ” በሎም።
24
ሽዑ ሓሻኽሩ ኻብቲ ሰረገላኡ ኣውሪዶም ናብታ ኣብኡ ዝነበረት ካልአይቲ ሰረገላኡ ኣሕለፍዎ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣብፅሕዎ ድማ፥ ንጉስ ኢዮስያስ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐበረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ ንኢዮስያስ ሓዘኑሉ።
25
ነቢይ ኤርሚያስ ንኢዮስያስ ኣልቀሰሉ፤ ኵሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ድማ ንኢዮስያስ ዘኪሮም ከልቅሱ እንተለዉ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ መልቀሱ ይደግምዎ ነበሩ። እዙይ ኣብ እስራኤል ልሙድ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እንሆ ኸዓ፥ ኣብቲ መፅሓፍ መልቀስ ተፅሒፉ ኣሎ።
26
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮስያስ ነገርን፥ እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንእግዚኣብሄር ዘርኣዮ ፍቕሩን ተግባሩን፥
27
እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።
← Chapter 34
Chapter 36 →