bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 36
2 Chronicles 36
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮኣክስ ወዲ ኢዮስያስ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣንገስዎ።
2
ኢዮኣክስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ።
3
ንጉስ ግብፂ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ መንግስቱ ሰዓሮ፤ ነታ ሃገር ከዓ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሰላሳን ኣርባዕተን ኪሎ ግራም ወርቅን ክትግብር ኣዘዛ።
4
እቲ ንጉስ ግብፂ ድማ ንሓዉ ኤልያቄም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ፤ ስሙውን ኢዮኣቄም ኢሉ ለወጠሉ፤ ኒካኡውን ንሓዉ ኢዮኣክስ ሒዙ ናብ ግብፂ ወሰዶ።
5
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።
6
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ከዓ ተዋግኦ እሞ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
7
ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ወሲዱ ድማ ኣብ ባቢሎን ኣብ ቤተ መቅደሱ ኣቐመጦ።
8
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ርኽሰትን መዘዝን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
9
ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ።
10
እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፥ ንጉስ ናቡከደነፆር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ኽቡር ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንሴዴቅያስ ሓወቦኡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣንገሶ።
11
ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ።
12
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ብእግዚኣብሄር ኣፍውን ዝተዛረበ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ርእሱ ኣየትሓተን።
13
ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።
14
ኵሎም መራሕቲ ኻህናትን ህዝብን ድማ ኸምቶም ኣረማውያን ጣዖት ብምምላኽ ብዙሕ በደሉ። ነታ ባዕሉ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ ቤተ መቕደስውን ኣርከስዋ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ንህዝቡን ነታ ቤተ መቕደሱን ስለ ዝደንገፀሎም፥ ብልኡኻቱ ገይሩ ጊሓት ጊሓት የጠንቅቖም ነበረ።
16
ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝነድድ፥ ፈውሲውን ክሳዕ ዝሰኣን፥ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት እግዚኣብሄር ኣላገፁሎም፤ ነቲ ቓሉ ኸዓ ነዓቕዎ፤ ነቶም ነቢያቱውን ኣዋረድዎም።
17
ስለዙይ እግዚኣብሄር ንንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊኣቶም ኣተስኦ። ንሱ ነጓብዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሰይፊ ቐተሎም፤ ንመናእሰይን ንደናግልን ንዓበይትን ንኣረጋውያንን ኣይራህርሀሎምን። እግዚኣብሄር ንዅሎም ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ኣሕሊፉ ሃቦም።
18
ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
19
ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣንደድዋ፤ ነቲ መካበብያ ኢየሩሳሌም ከዓ ኣፍረስዎ፤ ንዅሉ ኣዳራሻታውን ብሓዊ ኣቃፀልዎ፤ ነቲ ዅሉ ኽቡር ኣቑሑታ ድማ ሰባበርዎ።
20
ነቶም ኵሎም ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፥ ክሳዕ መንግስቲ ፋርስ እትለዓል፥ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ኾይኖም ኣገልገልዎ።
21
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
22
በታ መጀመርታ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና፥ እቲ ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍፀም፥ እግዚኣብሄር ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣለዓዓሎ።
23
ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ።
← Chapter 35