bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 34
2 Chronicles 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ።
2
ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።
3
ኣብ ሻምነይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ገና ቘልዓ እንተሎ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ከምልኽ ጀመረ። ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት መንግስቱ፥ ነቲ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበረ፥ ጣዖታት ዘምልኹሉ በረኽትን ንሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ፅሩብ ምስልታትን ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትን ከፅሪ ጀመረ።
4
ነቲ መሰውኢታት በዓልውን ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ምስሊ ፀሓይን መምለኺ ኣፀዳትን ቈራረፆ፤ ነቲ ዓምዲ ጣዖት ኣስታሮትን ነቲ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስልታት ኣድቂቑ ሰባበሮ፤ ኣብ መቓብር እቶም ዝስውኡሎም ዝነበሩ ሰባት ድማ በተኖ።
5
ነዕፅምቲ ኻህናት ጣዖት ድማ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣቃፀሎ እሞ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣፅረየን።
6
ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ክሳዕ ምድሪ ንፍታሌምን ኣብተን ኣብ ዙርያአን ዝነበራ ድማ ኸምኡ ገበረ።
7
መሰውኢታት ኣፍረሰ፤ ንመምለኺ ዓፀዳትን ዝተቐረፁ ምስልታትን ከዓ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣድቀቐ። ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ምስሊ ፀሓይ ቈራረፀ። ብድሕሪኡ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
8
ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፤ ነታ ሃገርን ነታ ቤተ መቕደስን ካብ ኣምልኾ ጣዖት ምስ ኣፅረየን፥ ንሳፋን ወዲ ኤዜልያስን ንመዕሴያ ሹም እታ ኸተማን ንእዮኣክ ወዲ ኢዮኣካዝ እቲ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፅግንዋ ለኣኾም።
9
ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ በሪ፥ ካብ ነገድ ምናሴን ኤፍሬምን፥ ካብቶም ኵሎም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ደቂ እስራኤልን፥ ካብ ኵሉ ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ካብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጡ ህዝብን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘእተውዎ ገንዘብ ንሊቀ ካህናት ኬልቅያስ ሃብዎ።
10
እዝ ገንዘብ እዙይ ድማ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሰራሕቲ ቤት እግዚኣብሄር ዝተሸሙ ተውሃበ። ንሳቶም ከዓ ነቶም ንቤት እግዚኣብሄር ክፅግንዋን ከዐርይዋን ዝተመረፁ ሰራሕተኛታት ሃብዎም።
11
ነተን ነገስታት ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ፥ ኣግማል ክገብሩለንን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዝኸውን ኣዕፃውን ምእንቲ ኽዕድጉ፥ ንፀረብትን ንሃነፅትን ሃብዎም።
12
እቶም ሰባት ከዓ ነቲ ስራሕ ብተኣማንነት ሰርሕዎ። ክሕልውዎም ዝተመረፁ ሌዋውያን ድማ፥ ካብ ደቂ ሜራሪ ያሓትን ኣብድያን፥ ካብ ደቂ ቀሃት ከዓ ዘካርያስን ሜሱላምን ነበሩ። እቶም ሌዋውያን ኵሎም ብመሳርሒ ሙዚቃ ምዝማር፥ ክኢላታት ነበሩ።
13
ገሊኣቶም ሌዋውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ሸኽሚ ዝፆሩ ሓለፍቲ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ነቶም ንዅሉ ዓይነት ስራሕ ኣገልግሎት ዝሰርሑን፥ ዝሕልዉን ነበሩ። ገሊኣቶም ድማ ፀሓፍትን ኣሕሉቕን ሓለውቲ በርታትን ነበሩ።
14
ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከውፅኡ እንተለዉ፥ ካህን ኬልቅያስ ነቲ ብሙሴ ዝተውሃበ መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ።
15
ኬልቅያስ ድማ ንሳፋን እቲ ፀሓፊ “ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ረኺበዮ ኣለኹ” ኢሉ ነገሮ። ኬልቅያስውን ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ንሳፋን ሃቦ።
16
ሳፋን ድማ ነቲ መፅሓፍ ሕጊ ናብ ንጉስ ኣምፅኦ። ንንጉስ ከዓ “እቲ ንሹመኛታትካ ዝኣዘዝካዮም ኵሉ ይፍፅምዎ ኣለዉ።
17
ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም፥ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ስራሕ ዝሰርሕዎን ሂቦምዎም ኣለዉ።”
18
ሳፋን እቲ ፀሓፊ ኸዓ ወሲኹ ንንጉስ፥ “ካህን ኬልቅያስ ሓደ መፅሓፍ ሂቡኒ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ ኣንበቦ።
19
እቲ ንጉስ፥ ቃል እቲ መፅሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፥ ደንጊፁ ኽዳውንቱ ቐደደ።
20
ንኬልቅያስን ንኣኪቃም ወዲ ሳፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሳፋን እቲ ፀሓፍን፥ ንዓሳያ ሓሽከር ንጉስን ፀዊዑ፥
21
“ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ስለ ዘይገበሩ፥ እቲ ኣባና ወሪዱ ዘሎ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ። ስለዙይ ኪዱ፥ ብናይ እዝ ኣብዙይ ዝተረኽበ መፅሓፍ ዘሎ ቓል ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፉ ህዝብን ንእግዚኣብሄር ጠይቑ” ኢሉ ኣዘዞም።
22
ሽዑ ኻህን ኬልቅያስን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነቢዪት ሕልዳና ኸዱ። ንሳ ኣብቲ ናይ ኢየሩሳሌም ክፋል ከተማ እትቕመጥ ነበረት። ሰብኣያ ሴሌም ወዲ ቲቂዋ ወዲ ሓስራ፥ ሓላዊ ክዳውንቲ ቤተ መቕደስ ነበረ። ንሳቶም ነቲ ዝኾነ ነገር ነገርዋ።
23
ንሳ ድማ ኸምዙይ በለቶም፦ “ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ በልዎ፦
24
እንሆ፥ ከምቲ ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ መርገም ነቲ ንጉስ ከዓ ዘንበቡሉ ንኢየሩሳሌምን ንህዝባን መከራ ኸውርደሎም እየ።
25
ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፥ ብኢዶም ጣዖታት ብምስራሕ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቝጥዓይ ክነድድ እዩ፤ ኣይጠፍእን ከዓ እዩ።
26
ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ኸምዙይ በልዎ፦ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕኻዮ ነገር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
27
ስለ ዝተነሳህካን ኣብ ቅድመይ ድማ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን፥ ንኢየሩሳሌምን ነቶም ኣብኣ ዝነብሩን ክቐፅዖም እየ ዝብል ፍርደይ ምስ ሰማዕኻ፥ ኣብ ቅድመይ ርእስኻ ስለ ዘዋረድካን ክዳውንትኻ ስለ ዝቐደድካን ኣብ ቅድመይ ከዓ ስለ ዝበኸኻን ሰሚዐካ ኣለኹ።
28
ስለዙይ ንስኻ ናብ ኣቦታትካ ክትእከብ ኢኻ፤ ናብ መቓብርካውን ብሰላም ክትእከብ ኢኻ። ነቲ ኣነ ናብ ኢየሩሳሌምን ናብቶም ኣብኣ ዝነብሩን ዘምፅኦ ዅሉ መከራ በዒንትኻ ኣይትሪኦን ኢኻ።” ንሳቶም ድማ ነዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ኢዮስያስ ነገርዎ።
29
ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰዲዱ፥ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ኣከቦም።
30
እቲ ንጉስን ኵሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝተረኽበ መፅሓፍ ኪዳን ከዓ ንዅሎም ኣብ ኣእዛኖም ኣንበበሎም።
31
ንጉስ ኢዮስያስ ድማ ኣብቲ ነገስታት ደው ዝብሉሉ ዓምዲ ደው ኢሉ፥ ብዅሉ ልቡን ብዅሉ ነፍሱን ንእግዚኣብሄር ከገልግል፥ ትእዛዛቱን ስርዓታቱን ሕግጋቱን ክሕሉ፥ ነቲ ኣብዚ መፅሓፍ ኪዳን እዙይ ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ክእዘዝ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣተወ።
32
ንኵሎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ብንያምን ዝነብሩ በዝ ነገር እዙይ ኣምሓለ። ስለዙይ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ቃል ኪዳን ኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበሩ።
33
ኢዮስያስ ድማ ኻብ ኵሉ ምድሪ ደቂ እስራኤል፥ ኵሉ ርኹስ ዝኾነ ነገር ኣወገዶ። ኣብ እስራኤል ንዝነብሩ ዅሎም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዘገልግልዎ ገበሮም። ኢዮስያስ ብህይወት ክሳዕ ዝነበረሉ ዘመን ድማ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ካብ ምምላኽ ኣይረሓቑን።
← Chapter 33
Chapter 35 →