bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 33
2 Chronicles 33
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ምናሴ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ።
2
ንሱ ኸዓ፥ ከምቲ ግብሪ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምፍፃሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
3
ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖታት በዓል ከዓ መሰውኢታት ሰርሐ፤ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ። መምለኺ ዓፀዳትውን ተኸለ። ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ድማ ሰገደሎምን ኣምለኾምን።
4
ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ።
5
ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐ።
6
ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም። ብስብሒ ድማ ይጥንቍል ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን ጠንቈልትን ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባር ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
7
ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።
8
እንተ ኾነ ኸምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎም፥ ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ስርዓታትን ትእዛዛትን ንምግባር ደኣ ይጠንቀቑ እምበር፥ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣይነቕሎምን እየ።”
9
ምናሴ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ኣስሓቶም። ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝገደደ ሓጢኣት ገበሩ።
10
እግዚኣብሄር ከዓ ንምናሴን ንህዝቡን ኣጠንቀቖም፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን።
11
ሽዑ እግዚኣብሄር ናይ ንጉስ ኣሶር ኣሕሉቕ ሰራዊት ሰዲዱ ንይሁዳ ኸም ዝወርዋ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፤ ብኽልተ ሰንሰለት ነሃስ ኣሲሮም ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
12
ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ።
13
ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፤ እግዚኣብሄር ድማ ራህርሀሉ፤ ፀሎቱውን ሰምዖ። ናብታ መንግስቱ ናብ ኢየሩሳሌምውን መለሶ። ሽዑ ምናሴ እግዚኣብሄር በይኑ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፈለጠ።
14
ድሕሪዙይ ምናሴ ንኸተማ ዳዊት ካብ ወገን ምዕራብ ግዮን ጀሚሩ፥ ኣብታ ለሰ በታ ዓሳ ዝኣትዉላ ኣፍ ደገ ሓሊፉ፥ ክሳዕ ዙርያ ዖፌል ናይ ወፃኢ መካበቢያ ነደቐላ፤ የመናውን ኣበረኾ። ኣብ ኵለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ኣሕሉቕ መምስ ሓሻኽሮም ኣቐመጠ።
15
ነቶም ባዕዳን ኣማልኽትን ነቲ ምስሊ ጣዖትን ድማ ኻብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅኦም፤ ነቲ ኣብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎ ዀረብታን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ነዲቕዎ ዝነበረ ዅሉ መሰውኢታት ኣርሒቑ ናብ ወፃኢ ኸተማ ደርበዮ።
16
ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም።
17
ግናኸ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ድኣ ይስውኡ ነበሩ እምበር፥ ኣብ በረኽቲ ምስዋእ ኣይሓደጉን።
18
እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ንኣምላኹ ዘቕረቦ ፀሎትን እቶም ነቢያት ብስም እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ ቓልን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ተፅሒፉ ኣሎ።
19
ብዛዕባ ፀሎቱን እግዚኣብሄር ዝሃቦ መልስን፥ ብዛዕባ ቅድሚ ምንሳሑ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፥ ብዛዕባ እቲ ንጣዖት ከምልኹሉ ኢሉ ዝሰርሖ በረኽትን፥ ብዛዕባ እቲ ዘቖሞ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን፥ ብዛዕባ እቶም ዘምልኾም ዝነበረ ኣማልኽትን፥ እንሆ፥ ኣብ ታሪኽ ነቢያት ተፅሒፉ ኣሎ።
20
ምናሴ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ቤቱውን ቀበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።
21
ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ።
22
ንሱውን፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኵሎም ምስልታት ሰውአሎምን ኣምለኾምን።
23
ኣሞፅ ግና ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፥ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘዋረደ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየዋረደን።
24
ሹመኛታቱ ኸዓ ሻራ ገበሩሉ እሞ፥ ኣብ ቤተ መንግስቱ ቐተልዎ።
25
ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞፅ ሻራ ዝገበሩሉ ዅሎም ቀተልዎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገስዎ።
← Chapter 32
Chapter 34 →