bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 32
2 Chronicles 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይን እዝ እምነት እዙይን፥ ንጉስ ኣሶር ሰናክሬም መፂኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ። ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ከቢቡ ድማ ኽሕዘን ሓሰበ።
2
ሕዝቅያስ፥ ሰናክሬም ከም ዝመፀን ንኢየሩሳሌምውን ክዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረአየ፥
3
እቲ ኣብ ወፃኢ ኸተማ ዘሎ ዓይኒ ማያት ክድፈን፥ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ ንሳቶም ድማ ሓገዝዎ።
4
ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ከዓ “ስለ ምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መፂኦም ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ” ብምባል ንዅሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእኸል እታ ሃገር ዝውሕዝ ሩባን ዓፀውዎ።
5
ሰውነቱ ኣበርቲዑ ብምስራሕ ድማ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ ቕፅሪ ፀገኖ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንደቕ ሰርሐሉ፤ ንመካበብያ ኢየሩሳሌምውን ብወፃኢ ኻልኣይ መንደቕ ሰርሐሉ። ኣብ ከተማ ዳዊት ንዘላ ሚሎን ኣጠናኸረ፤ ብዙሕ ኣፅዋርን ዋላቱን ድማ ኣዳለወ።
6
ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ኣሕሉቕ ውግእ ሸመ፤ ናብታ ኣብ በሪ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸዓ ኣከቦም እሞ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣፀናንዖም፦
7
“ኣይዞኹም ፅንዑን ትብዑን፤ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዝ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሑን ኣይትሸበሩን።
8
እቲ ምስኡ ዘሎ፥ ሓይሊ ሰብ እዩ፤ እቲ ምሳና ዘሎ ግና፥ እቲ ዝረድአናን ዝዋግአልናን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።” እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ተፀናንዐ።
9
ድሕሪዙይ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣብ ላኪሶ ሰፊሩ እንተሎ፥ ሹመኛታቱ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ ይሁዳን ልኢኹ ኸምዙይ በሎም፦
10
“ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣብዛ ተኸቢባ ዘላ ኢየሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘለኹምስ፥ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም?
11
ብጥሜትን ብፅምእን ክትሞቱስ፥ ሕዝቅያስዶ ኣይኮነን ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈና እዩ’ እናበለ ዘስሕተኩም ዘሎ?
12
እቲ ንእግዚኣብሄር ዝስውኡሉ በረኽትን መሰውኢታትን ኣወጊዱ፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ‘ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ’ ዝበለስ እዝ ሕዝቅያስ እዙይዶ ኣይኮነን?
13
“ኣነን ኣቦታተይን ንዅሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኢኩም? ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኣተንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም?
14
ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኣቶምከ ንህዝቡ ኸናግፍ ዝኸኣለ ኣምላኽ መን እዩ? ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢደይ ከናግፈኩምዶ ይከኣሎ እዩ?
15
እምበኣር ሕዝቅያስ ኣይጠብርኩም በዝ ነገር እዙይውን ኣይሓባብልኩም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኣይትእመንዎ። ናይ ዝኾነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኸኣለ የለን፤ ኣምላኽኩም ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም?”
16
እቶም ሹመኛታቱ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ሕዝቅያስን ክፉእ ነገር ተዛረቡ።
17
ከምኡውን ሰናክሬም ንእግዚኣብሄር ክፀርፎን፥ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኽዛረብን፦ “ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሓንዎም፤ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ሕዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ከድሕኖም ኣይኽእልን እዩ” ዝብል ደብዳቤ ፀሓፈ።
18
ነታ ኸተማ ምእንቲ ኽሕዝዋ ድማ፥ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ዝነብሩ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ከፍርሕዎምን ከሸብርዎምን ዓው ኢሎም ብቛንቋ ዕብራይስጢ ተዛረብዎም።
19
ብዛዕባ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝኾኑ ናይዝ ዓለምዙይ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።
20
ንጉስ ሕዝቅያስን ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ግና ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ናብ እግዚኣብሄር ፀለዩ፤ ናብ ሰማይውን ኣእወዩ።
21
እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፤ ንሱ ኸዓ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዅሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ኣሕሉቕን ኣጥፍኦም። ሰናክሬም ከዓ ተዋሪዱ ናብ ሃገሩ ተመለሰ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤት ኣምላኹ ምስ ኣተወ ድማ፥ ካብ ሕቘኡ ዝወፁ ደቁ ኣብኡ ቐተልዎ።
22
እግዚኣብሄር ድማ ንሕዝቅያስን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ኢድ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኵሎም ካልኦት ፀላእቶምን ኣድሓኖም፤ ብዅሉ ወገንውን ሓለዎም።
23
ብዙሓት ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኦም ንእግዚኣብሄር መባእ፥ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ ኽቡር ውህብቶ ኣምፅኡ። ድሕሪኡ ኣብ ቅድሚ ዅለን ሃገራት ንጉስ ሕዝቅያስ ልዕል ልዕል በለ።
24
በቲ ወርሓት እቱይ ሕዝቅያስ ሓሚሙ ንሞት ቀረበ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ተናገሮ፤ ምልክትውን ሃቦ።
25
ግና ሕዝቅያስ፥ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፥ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ ውሬታ ኣይመለሰን፤ ስለዙይ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ነደደ።
26
ሕዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ርእሱ ኣዋረደ፤ ስለዙይ እቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ሕዝቅያስ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣይመፆምን።
27
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ የመና ብዙሕ ሃብትን ክብርን ነበሮ። ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን፥ ንቐመማትን፥ ንዋላቱን፥ ክቡር ንዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኣቑሑን ዝኸውን ቤት መዛግብቲ ሰርሐ።
28
ንእቶት እኽልን ወይንን ዘይትን ዝኸውን ሪቕ፥ ንዅሉ ዓይነት እንስሳ ዝኸውን ከዓ ጋፃት፥ ንጤለ በጊዕ ዝኸውን ደምበታት ሰርሐ።
29
እግዚኣብሄር የመና ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፥ ከተማታት ሰርሐ፤ ብዙሓት ከፍትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ።
30
ነቲ ላዕለዋይ ዓይኒ ማይ ግዮን ዓቢሱስ፥ ብመስኖ ገይሩ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣቢሉ ኸም ዝውሕዝ ዝገበሮ ንጉስ ሕዝቅያስ እዩ። ሕዝቅያስ ዝገበሮ ዅሉ ይሰልጦ ነበረ።
31
እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ ዝተልኣኹ መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መፁ ግና፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍትኖ፥ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥውን ሓደጎ።
32
እቲ ዝተረፈ ናይ ሕዝቅያስ ነገርን ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ሰብ ከም ዝነበረን፥ ኣብቲ ራእይ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅን ኣብቲ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።
33
ሕዝቅያስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ መቓብር ደቂ ዳዊት፥ ኣብቲ ዝለዓለ ቦታ ነገስታት ድማ ቐበርዎ። ህዝቢ ይሁዳን እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብዓብዪ ኽብሪ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ምናሴ ነገሰ።
← Chapter 31
Chapter 33 →