bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 31
2 Chronicles 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እዝ ዅሉ ምስ ተፈፀመ፥ እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፥ ናብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ኸዱ እሞ፥ ነቲ ኣዕምዲ ጣዖት ሰባበርዎ፤ ነቲ መምለኺ ኣፀዳትውን፤ ነቲ ኣብ ኵሉ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ዘሎ ንጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፈራረስዎ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፥ ናብ ከተማታቶም ተመለሱ።
2
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።
3
እቲ ንጉስ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ንዝቃፀል መስዋእትን ዝኸውን፥ ካብ ጥሪቱ ክኸፍሎ ወሰነ።
4
እቲ ንጉስ ከዓ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ኣብ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኽፀንዑ፥ ግደኦም ክህብዎም ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ኣዘዞም።
5
እዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ወፀ ድማ፥ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ገራሁን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፤ ናይ ኵሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ሃቡ።
6
እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ከዓ ኻብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝወፈይዎ ድማ ኣስራት ኣምፅኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዀመርዎ።
7
ክዅምሩ ዝጀመሩ ብሳልሰይቲ ወርሒ ነበረ፤ በታ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ።
8
ሕዝቅያስን እቶም ሹመኛታቱን መፂኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ፤ ንህዝቡ እስራኤል ድማ ባረኽዎ።
9
ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዝተዀመረ ጠየቖም።
10
ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝነበረ ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ “እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዝጅምር፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝባረኾ፥ ክሳዕ ዝተርፈና በሊዕና ንፀግብ ኣለና። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዅምሪ ኸዓ ዓብዪ እዩ” ኢሉ ተናገረ።
11
ሕዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕኸን ክስራሕ ኣዘዘ፤ ንሳቶም ከዓ ሰርሑ።
12
ነቲ መባእን ኣስራትን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ብእምነት ናብኡ ኣእተውዎ። ኮናንያ ዝበሃል ሌዋዊ ድማ ተሸይሙ ነበረ፤ ንሓዉ ሰሜኢ ኸዓ ብመዓርግ ካልኣይ ነበረ።
13
ብትእዛዝ ንጉስ ሕዝቅያስን ብትእዛዝ ኣዛርያስ ሹም ቤት እግዚኣብሄርን ድማ ይሒዒል፥ ኣዛዝያ፥ ናሖት፥ ኣሳሄል፥ ይሬሞት፥ ዮዛባት፥ ኤሊኤል፥ ሰማክያ፥ መሓት፥ በናያስ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብ ትሕቲ ኮናንያን ሰሜኢ ሓዉን ተቘፃፀርቲ ኾኑ።
14
ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።
15
ኣብ ትሕቲኡ ድማ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምታ መደብ ስራሖም ማዕረ ማዕረ ገይሮም ብእምነት ክዕድሉሉ፥ ዔድን፥ ሚንያሚን፥ ኢያሱ፥ ሸማያ፥ ኣማርያ፥ ሴኬንያ፥ ዝበሃሉ ሌዋውያን ኣብተን ካህናት ዝነብሩለን ከተማታት ተሸይሞም ነበሩ።
16
ነቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፉ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝነበሩ፥ ከከም ክፍሎምን ከከም ኣገልግሎቶምን ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዅሎም ይዕድልዎም ነበሩ።
17
ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ።
18
ኣብቲ ማሕበር በብትውልዶም ዝተቘፀሩ ኸምቲ ሕጊ፥ ርእሶም ብእምነት ቀዲሶም ስለ ዝነበሩ፥ ምስ ኵሎም ህፃናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን ተፅሓፉ።
19
ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ገራሁ ዝነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፥ ካብ ካህናት ተባዕትዮ ንዝኾኑ ኻብ ሌዋውያን ንዝተፅሓፉ ዅሎምን በብፅሒቶም ክህብዎም፥ ኣብ ከከተማኡ በብስሞም ዝተመደቡ ሰባት ነበሩ።
20
ሕዝቅያስ ከዓ ኣብ ኵሉ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፅቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ።
21
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ኣፈፃፅማ ሕግን ትእዛዝን፥ ንኣምላኹ ስለ ዝተኣዘዘን፥ ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰርሐን፥ ሰለጦ።
← Chapter 30
Chapter 32 →