bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 28
2 Chronicles 28
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣካዝ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራ ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይነበረን፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ኣይገበረን።
2
እኳ ደኣ ኣሰር ነገስታት እስራኤል ሰዓበ፤ ብዝፈሰሰ ሓፂን ገይሩ ምስሊ በዓሊም ገበረ።
3
ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከዓ ዕጣን ዓጠነ፤ ከምቲ ዘፀይፍ ልምዲ ናይቶም ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸዓ፥ ንደቁ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንጣዖት ኣቕረበ።
4
ኣብቲ ንጣዖት ዘምልኹሉ በረኽትን፥ ኣብ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5
ንጉስ ኣካዝ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ብንጉስ ሶርያ ኸም ዝስዓር ገበሮ፤ ንሳቶም ድማ ብዙሕ ጭፍራ ማሪኾም ናብ ደማስቆ ወሰድዎም። ከምኡውን እግዚኣብሄር ብንጉስ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ንጉስ እስራኤል ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውረደሉ።
6
ንጉስ ፋቁሔ ወዲ ሮሜልዩ ድማ፥ ካብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ጀጋኑ ቐተለሎም። እዙይ ከዓ ህዝቢ ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ እዩ።
7
ዝክሪ ዝበሃል ሓደ ጅግና እስራኤላዊ ድማ ንመዕሴያ ወዲ ንጉስ ኣካዝን፥ ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን፥ ትሕቲ ንጉስ ዝለዓለ ስልጣን ንዝሓዘ ንሕልቃናን ቀተሎም።
8
እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣጓላትን ማረኹ፤ ካብኣቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ወሰዱ።
9
ኣብ ሰማርያ ዖዴድ ዝስሙ ነቢይ እግዚኣብሄር ነበረ። ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዝምለስ ዝነበረ ሰራዊት እስራኤል ክራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ “እንሆ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንህዝቢ ይሁዳ ስለ ዝተቘጥዖም ከም እትስዕርዎም ገበረኩም። ንስኻትኩም ግና ብቝጥዓ ጨኪንኩም ቀተልኩምዎም። ጨኸናኹም ከዓ ኣብ ሰማይ በፅሐ።
10
ሕዚ ድማ ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ተሓስቡ ኣለኹም። እንሆ ንስኻትኩም፥ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ትብድሉ ኣለኹም።
11
ሕዚ ኸዓ ስምዑኒ፤ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ከይነድድ፥ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።”
12
ሽዑ ሓድሓደ ኻብቶም መራሕቲ ደቂ እስራኤል፥ ኣዛርያስ ወዲ ዮሓናን በራክያ ወዲ መሺሌሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሰሎምን ዓሜሳይ ወዲ ሓድላይም ተሲኦም ንተግባር እቲ ሰራዊት ተቓወምዎ።
13
“በደልናስ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ድሮ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም በዝ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝኾነና ጌርኩም፥ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘለኹም እሞ፥ ነዞም ምሩኻት እዚኣቶም ናብዙይ ኣይተእትውዎም” በልዎም።
14
ሽዑ እቶም ሰራዊት ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም መራሕትን ኵሉ ህዝብን ሰደድዎም።
15
እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተሰምዩ ሰባት ከዓ ተሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፤ ንዅሎም ዕሩቓት ዝነበሩ ድማ ኻብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከዓ፥ ኣሳእን ሃብዎም፤ መብልዕን መስተን ሃብዎም፤ ዘይትውን ለኸይዎም፤ ንዅሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣቐሚጦም፥ ናብ ኢያሪኮ፥ ናብታ ኸተማ ተምሪ፥ ናብ ኣሕዋቶም ኣብፅሕዎም። ንሳቶም ግና ናብ ሰማርያ ተመለሱ።
16
በታ ጊዜ እቲኣ ንጉስ ኣካዝ፥ ንንጉስ ኣሶር ክሕግዞ ለኣኸሉ፤
17
ኤዶማውያን መሊሶም መፂኦም ንይሁዳ ሓደጋ ኣውዲቖም፥ ምሩኻት ወሲዶም ነይሮም እዮም እሞ።
18
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንኸተማታት ቤትሳሚስን ኤሎንን ግዴሮትን፥ ከምኡውን ንኸተማታት ሶኮን ተምናን ጊምዞንን መምስ ቁሸታተን ሓዝወን፤ ኣብኣተን ድማ ተቐመጡ።
19
ኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝረሓቐን ንህዝቢ ይሁዳ ኸዓ ስዲ ስለ ዝሓደጎምን፥ እግዚኣብሄር ብሰንኩ ንህዝቢ ይሁዳ ኣዋረዶም።
20
ቴልጌልቴልፌልሶር ንጉስ ኣሶር ከዓ ናብኡ መፀ፤ ግና ኽንዲ ዝድግፎ ተቓወሞን ኣጨነቖን።
21
ኣካዝ ከዓ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መንግስትን ኣብ ቤት ኣሕሉቕን ዝነበረ ወርቂ ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፤ ግና ኣይተሓገዘሉን።
22
ንጉስ ኣካዝ ብጊዜ ጭንቁውን ዝገደደ ንእግዚኣብሄር በደለ።
23
“ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ፥ ንነገስታት ሶርያ ስለ ዝሓገዝዎም፥ ኣነ ኸዓ ምእንቲ ኽሕግዙኒ ኽስውአሎም እየ” ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውአሎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንእኡን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደኣ መዐንቀፊ ኾንዎም።
24
ኣካዝ ድማ ነቲ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ኣኪቡ ሰባበሮ፤ ነቲ በርታት ቤት እግዚኣብሄርውን ዓፀዎ። ኣብ ኵሉ መኣዝን ኢየሩሳሌም ከዓ ንባዕሉ መሰውኢታት ሰርሐ።
25
ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ዝዓጥነሉ በረኽቲ ገበረ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።
26
እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኣከያይዳኡን፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ።
27
ኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ቐበርዎ። ግና ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሕዝቅያስ ነገሰ።
← Chapter 27
Chapter 29 →