bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 27
2 Chronicles 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣታም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ኢየሩሳ እትበሃል ጓል ሳዶቅ ነበረት።
2
ንሱ ኸም ኣቦኡ ዖዝያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ። ግና ኸም ኣቦኡ ናብ ቤተ መቕደስ ኣይኣተወን። እቶም ህዝቢ ግና ይብድሉ ነበሩ።
3
ንሱ ነቲ ብወገን ሰሜን ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ፤ ነቲ ብወገን ዖፌል ዘሎ መካበብያ ኢየሩሳሌምውን ሰርሖ።
4
ኣብ ዝባውንቲ ይሁዳ ድማ ኸተማታት ሰርሐ፤ ኣብ ዱርውን ዕርድታትን ግንብታትን ሰርሐ።
5
ምስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ተዋጊኡ ሰዓሮም እሞ፥ ኣብታ ዓመት ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ቶን ስርናይን ሽሕ ቶን ስገምን ሃብዎ። እቶም ደቂ ኣሞን፥ በታ ኻልአይትን ሳልሰይትን ዓመት ከዓ ኽንድኡ ሃብዎ።
6
ንጉስ ኢዮኣታም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቕኑዕ ስለ ዝገበረ በርትዐ።
7
እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣታም ነገርን፥ ኵሉ ዝተዋግኦ ውግእን ኣገዛዝኣኡን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተፅሒፉ ኣሎ።
8
ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ገዝአ።
9
ንጉስ ኢዮኣታም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ቐበርዎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣካዝ ነገሰ።
← Chapter 26
Chapter 28 →