bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 29
2 Chronicles 29
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕዝቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት።
2
ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ስዒቡ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኵሉ ቅኑዕ ዝኾነ ገበረ።
3
ሕዝቅያስ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናይታ መጀመርታ ዓመት መንግስቱ፥ ነተን በርታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን፤ ኣሐደሰንውን።
4
ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምፂኡ ኸዓ፥ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም።
5
ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቱም ሌዋውያን፥ ስምዑኒ፤ ተቐደሱ፤ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከዓ ቐድስዋ፤ ነቲ ርኽሰት ድማ ኻብ መቕደስ ኣውፅእዎ።
6
ኣቦታትና በደሉ፤ ኵሉ ኽፉእ ዝኾነውን ገበሩ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ሓደግዎ። ካብቲ እግዚኣብሄር ዝሓድሮ ቤተ መቕደስ ከዓ ረሓቑ።
7
ናይቲ ቤተ መቕደስ ገበላ ዓፀዉ፤ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፤ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዓጠኑን፤ ዝቃፀል መስዋእቲ እውን ኣየቕረቡሉን።
8
ስለዙይ ድማ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ነደደ። ከምዝ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመሰክሕን ንመደንገፅን ንመላገፅን ገበሮም።
9
ስለዙይ ከዓ እንሆ ኣቦታትና ኣብ ውግእ ሞቱ፤ ኣወዳትናን ኣጓላትናን ኣንስትናንውን ተማረኹ።
10
ሕዚ ግና እቲ ጕሁር ቍጥዓ ኻባና ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ብልበይ ሓሲበ ኣለኹ።
11
ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።”
12
ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተስኡ፦ ካብ ደቂ ቀዓት፦ መሓት ወዲ ኣማሲን ኢዮኤል ወዲ ኣዛርያስን፥ ካብ ደቂ ሜራሪ፦ ቂስ ወዲ ዓብዲን ኣዛርያስ ወዲ ይሃሌልኤልን፥ ካብ ደቂ ጌድሶን፦ ዮኣክ ወዲ ዛማትን ዔድን ወዲ ዮኣክን፥
13
ካብ ደቂ ኤሊፃፋን፦ ሺምሪን ይዒኤልን፥ ካብ ደቂ ኣሳፍ፦ ዘካርያስን መታንያን፥
14
ካብ ደቂ ኤማን፥ ይሒኤልን ሰሜኢን፥ ካብ ደቂ ኤዶታም፦ ሸማያን ዑዝኤልን።
15
ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ። ከምቲ ንጉስ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝበሎም ከዓ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅህዋ ኣተዉ።
16
እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ከንፅሁ ኣተዉ እሞ ነቲ ኣብኡ ዝረኸብዎ ዅሉ ርኽሰት ናብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውፅእዎ። እቶም ሌዋውያን ከዓ ተቐቢሎም ናብ ሩባ ቄድሮን ኣውፂኦም ደርበይዎ።
17
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ ነታ ቤተ መቕደስ ከንፅህዋ ጀመሩ፤ ብሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽሳዕ እቲ ገበላ በፅሑ። ቀፂሎም ከዓ ንሸሞንተ መዓልቲ ነታ ቤተ መቕደስ ኣንፅህዋ። ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ድማ ነቲ ስራሕ ፈፀምዎ።
18
ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣትዮም “ንዅሉ ቤት እግዚኣብሄር ዝቃፀል መሰውኢን፥ ንዅሉ ኣቑሑኡን ነቲ ሰደቓ ሕብስቲ ቝርባንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ኣፅሪናዮ ኣለና።
19
ነቲ ንጉስ ኣካዝ ክገዝእ እንተሎ፥ ካብ እግዚኣብሄር ምስ ከድዐ፥ ዝደርበዮ ዅሉ ኣቑሑ ኸዓ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን ኣለና። እንሆ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ” በልዎ።
20
ሽዑ ንጉስ ሕዝቅያስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኸዓ ኣከቦም፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ሒዝዎም ድማ ኸደ።
21
ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ ቤተ መቕደስን ምእንቲ ህዝቢ ይሁዳን ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ሸውዓተ ኣብዑርን፥ ሸውዓተ ማጓሉን፥ ሸውዓተ ጡበታትን፥ ሸውዓተ ዲበላታትን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ድማ፥ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም።
22
ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፤ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ማጓሉውን ሓረድዎም፤ ነቲ ደምውን ናብ መሰውኢ ነፀግዎ።
23
ነቶም ክንዲ ሓጢኣት ዝስውኡ ዲበላታት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ህዝብን ኣቕረብዎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንበሩ።
24
እቲ ንጉስ ምእንቲ ዅሉ እስራኤል፥ ዝቃፀል መስዋእትን ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን ክግበር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፥ ንዅሉ እስራኤል ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ክኸውን ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረቡ።
25
ከምቲ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ ገይሩ ዝኣዘዞ፥ ከምኡውን ከምቲ ንጉስ ዳዊት ብጋድ እቲ ናይ ንጉስ ነቢይን፥ ብነቢይ ናታንን ተመሪሑ ዝሰርዖ፥ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ፀናፅልን መሰንቆታትን በገናታትን ኣትሒዙ ኣቖሞም።
26
ስለዙይ ሌዋውያን ናይ ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ ሒዞም ነበሩ፤ ካህናትውን መለኸት ሒዞም ቆይሞም ነበሩ።
27
ሕዝቅያስ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽጅመር እንተሎ ኸዓ ብመለኸትን በቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርሒ ሙዚቃን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ዘመሩ።
28
ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ይሰግድ ነበረ፤ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፤ መለኸተኛታትውን ነፍሑ፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽሳዕ ዝፍፀም ድማ እዝ ዅሉ ኾነ።
29
ምቕራብ ምስ ፈፀሙ ኸዓ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
30
ንጉስ ሕዝቅያስን እቶም ኣሕሉቕን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ነቢይ ኣሳፍ እቲ ረኣዪን፥ ንእግዚኣብሄር መዝሙር ምስጋና ኽዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሓጒሶም ከዓ መዝሙር ምስጋና ዘመሩ፤ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።
31
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።
32
እቲ ህዝቢ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሰብዓ ዝራብዓት፥ ሚእቲ ማጓሉ፥ ክልተ ሚእቲ ጡበታት ኣባጊዕ ኣምፅአ።
33
ቍፅሪ እቶም ዝተቐደሱ ድማ ሽዱሽተ ሚእቲ ኣብዑርን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን ነበሩ።
34
እቶም ካህናት ግና ውሑዳት ነበሩ እሞ ንዅሎም እቶም ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ እንስሳ ምሕራድ ኣይከኣሉን፤ ስለዙይ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዝበልፅ ንኽቕደሱ ቅኑዕ ልቢ ነበሮምሞ፥ እዝ ስራሕ እዙይ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ካልኦት ካህናትውን ክሳዕ ዝቕደሱ፥ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም።
35
ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ተብሂሉ ዝተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። ስለዙይ እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተዳለወ።
36
እቲ ነገር ድንገት ስለ ዝተገብረ፥ ሕዝቅያስን ኵሉ እቲ ህዝብን ድማ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝገበረሉ ተሓጐሱ።
← Chapter 28
Chapter 30 →