bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 26
2 Chronicles 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዖዝያን ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት እንተሎ፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ኽንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ።
2
ኣቦኡ ኣሜስያስ ምስ ሞተ ኸዓ ንኤላት ናብ ይሁዳ መለሳ፤ መሊሱ ድማ ሰርሓ።
3
ዖዝያን ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ነበረ፤ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ገዝአ። እኖኡ ይኮልያ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።
4
ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኣሜስያስ ዝገበሮ ድማ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
5
እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ።
6
ንጉስ ዖዝያ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፤ ንቕፅሪ ኸተማታት ጌትን ያብናን ኣዛጦንን ድማ ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣዛጦንን ኣብቲ ዝተረፈ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከዓ ዝተዓረዳ ኸተማታት ሰርሐ።
7
ኣምላኽ ድማ ንፍልስጥኤማውያንን ነቶም ኣብ ጉርበኣል ዝነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ነቶም መዑናውያንን ክስዕሮም ሓገዞ።
8
ኣሞናውያን ድማ ንዖዝያ ገበሩሉ፤ ንሱ የመና በርትዐ፤ ዝናኡ ኸዓ ኽሳዕ ግብፂ በፅሐ።
9
ንጉስ ዖዝያ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዘንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ እቲ መንደቕ መኣዘንን ግንብታት ሰርሐ፤ ንኣኣተን ድማ ዓረደን።
10
ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።
11
ዖዝያን ከዓ ንውግእ ዝተዓለሙ ሰራዊት ነበርዎ። እቶም ሰራዊት ከምቲ የዒኤል እቲ ፀሓፍን ማዓስያ እቲ ሓለቓ ሰራዊትን፥ ዝፀሓፍዎምን ዝቘፀርዎምን በብጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወፁ ነበሩ። ይዒኤልን መዕሴያን ኣብ ትሕቲ ሓናንያ ዝበሃል ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ኮይኖም ይመርሕዎም ነበሩ።
12
ኵሉ ቝፅሪ እቶም ሓያላት ጀጋኑ ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት፥ ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበረ።
13
ንጉስ ድማ ብኣኣቶም ዝምራሕ፥ ንፀላኢ ንምውጋእ ዝሕግዞ፥ ብሰለስተ ሚእትን ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓሻኽር ዝቖመ ሓያልን ጅግናን ሰራዊት ነበሮ።
14
ንጉስ ዖዝያን ከዓ ንዅሉ እዝ ሰራዊት እዙይ ዋላቱን ኲናታትን ቍራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ።
15
ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ፍላፃታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዝውርውረሉ፥ ብብልሓት ዝተገብረ ኣፅዋር ኣብ ግንብታትን ኣብ መኣዝናትን ዝኾኑ ገበረ። እግዚኣብሄር ብዘደንቕ ስለ ዝረድኦ በርቲዑ ነበረ እሞ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ተሰምዐ።
16
ምስ ተጠናኸረ ግና ልቡ ተዓበየ፤ እዙይ ከዓ ጥፍኣት ኣምፅአሉ። ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብምእታዉ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደለ።
17
ካህን ኣዛርያስ፥ ሰማንያ ተባዓት ካህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪ ንጉስ ዖዝያን ኣተወ።
18
ንሳቶም ንንጉስ ዖዝያን ተቓወምዎ፤ “ኦ ዖዝያን፥ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣን ናይቶም ክዓጥኑ ዝተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር ናትካ ኣይኮነን። በዲልካ ኢኻሞ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣየኽብረካን እዩ እሞ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ውፃእ” በልዎ።
19
ሽዑ ዖዝያን ኰረየ፤ ነታ ዝዓጥነላ ፅንሃህ ኸዓ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ክዅርየሎም እንተሎ፥ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምፂ ወፆ።
20
ሊቀ ካህናት ኣዛርያስን ኵሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፤ እንሆ ኸዓ፥ ኣብ ግምባሩ ለምፂ ነበሮ እሞ፥ ካብቲ ቤተ መቕደስ ቀልጢፎም ኣውፅእዎ። ንሱውን እግዚኣብሄር ስለ ዝቀሰፎ ቐልጢፉ ወፀ።
21
ንጉስ ዖዝያን ድማ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምፂ ነበሮ፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ኸዓ ኣብ ፍልይቲ ቤት ይቕመጥ ነበረ። ወዱ ኢዮኣታም ድማ ኣዛዚ ቤተ መንግስቲ ነበረ፤ ንህዝቢ እታ ሃገር ከዓ የመሓድር ነበረ።
22
እቲ ዝተረፈ ናይ ዖዝያን ነገር ከዓ፥ እቲ ቐዳማይ ኮነ እቲ ዳሕረዋይ፥ ነቢይ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ፅሒፍዎ ኣሎ።
23
ዖዝያን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ጥቓ መቓብር ነገስታት ኣብ ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ለምፂ ኣለዎ ኢሎም ኣብቲ መቓብር ነገስታት ኣይቀበርዎን። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣታም ነገሰ።
← Chapter 25
Chapter 27 →