bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 25
2 Chronicles 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣሜስያስ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ዮዓዳን እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት።
2
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፤ ግና ብምሉእ ልቡ ኣይኮነን።
3
እታ መንግስቱ ምስ ፀንዐትሉ፥ ነቶም ነቦኡ ነቲ ንጉስ ዝቐተሉ ሓሻኽር ቀተሎም።
4
ግና ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ፥ ተፅሒፉ ዘሎ፥ “ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይቀተል እምበር፥ ኣቦታት ብሰንኪ ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቂውን ብሰንኪ ኣቦታቶም ኣይቀተሉ” ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፥ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።
5
ኣሜስያስ ንህዝቢ ይሁዳን ብንያምን በብማይ ቤት ኣቦታቶም ኣኪቡ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘፀሮም፤ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ረኸበ።
6
ብሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩር ገይሩ፥ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ብገንዘብ ቈፀረ።
7
ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና ናብ ኣሜስያስ መፂኡ፥ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል ኣይኮነን፤ ምስ ኵሎም ደቂ ኤፍሬምውን ኣይኮነን እሞ፥ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ።
8
ውግእ ገጢምካ ብጅግንነት እንተ ተዋጋእኻ እኳ፥ እግዚኣብሄር ንምርዳእ ኾነ ንምጥፋእ ስልጣን ስለ ዘለዎ፥ ፀላእትኻ ኸም ዝስዕሩኻ ኽገብረካ እዩ” በሎ።
9
ኣሜስያስ ከዓ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ “እቲ ንጭፍራ እስራኤል ክቘፅር ኢለ ዘውፃእኽዎ ሰለስተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኪሎ ግራም ብሩርከ እንታይ ይኹን?” ኢሉ ጠየቖ። እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ድማ “ካብኡ ዝበዝሕ እግዚኣብሄር ክህበካ ይኽእል እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
10
ሽዑ ኣሜስያስ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመፁ ጭፍራ ንዓዶም ክምለሱ ፈልዩ ሰደዶም። ንሳቶም ከዓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳ እምብዛ ተቘጥዑ፤ ተቘጢዖም ድማ ንዓዶም ተመለሱ።
11
ኣሜስያስ ድማ ብትብዓት ንህዝቡ ኣኽቲቱ ኣብ ለሰ ጨው ኣሰለፎም፤ ኣብኡ ኸዓ ተዋጊኦም ካብ ደቂ ሴይር ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ።
12
ደቂ ይሁዳ ድማ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብህይወት ማረኹ። ናብ ርእሲ ሓንቲ ቐልቀል ኣደዪቦም ድማ ንቝልቁል ኣፅደፍዎም፤ ኵሎም ከዓ ተፈጥፊጦም ሞቱ።
13
እቶም ኣሜስያስ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይኸዱ ዘሰናበቶም ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፥ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤትሖሮን፥ ሓደጋ ኣውደቑለን እሞ ኣብኣተን ሰለስተ ሽሕ ሰባት ቀተሉ፤ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።
14
ኣሜስያስ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ክምለስ እንተሎ፥ ነቶም ኣማልኽቶም ተማሊእዎም መፀ። ኣማልኽቱ ክኾኑ ድማ ኣቖሞም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ከዓ ሰገደ፤ ዕጣንውን ዓጠነሎም።
15
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሜስያስ ነደደ እሞ፥ ሓደ ነቢይ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ኢኻ ነዞም ንህዝቦም ካብ ኢድካ ኸድሕኑ ዘይከኣሉ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኤዶምያስ ዝሰገድካሎም?” በሎ።
16
እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።
17
ሽዑ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ምኽሪ ምስ መኸረ፥ ናብ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ወዲ ኢዩ፦ “ነዓ ገፅ ንገፅ ንርአአ” ኢሉ ለኣኸሉ።
18
ኢዮኣስ ግና ንኣሜስያስ ልኢኹ፦ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዅ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፥ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፉ፤ ነቲ እሾዅ ከዓ ረገፅዎ።
19
‘እንሆ ንኤዶምያስ ስዒረዮ’ እናበልካ ብልብኻ ትዕበ ኣለኻ፤ ኣነ ግና ኸቢርካ ኣብ ገዛኻ ኽትቅመጥ እምዕደካ ኣለኹ። ስለ ምንታይ ኢኻ ንርእስኻን ንህዝቢ ይሁዳን መከራ እትደሊ?” በሎ።
20
ኣሜስያስ ንኣማልኽቲ ኤዶምያስ ስለ ዘምለኸ፥ ብፀላእቱ ኸም ዝሰዓር እግዚኣብሄር ወሲኑ ነበረ እሞ፥ ኣሜስያስ ምኽሪ ኣይሰምዐን።
21
ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ክዋጋእ ከተተ። ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤትሳሚስ ገፅ ንገፅ ተረኣኣዩ።
22
ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ዓዶም ሃደሙ።
23
ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤትሳሚስ ሓዞ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ወሰዶ። ንመካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ።
24
እቲ ምስ ዖቤድኤዶም ዝነበረ፥ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን፥ ኵሉ ኣቑሑን መዛግብቲ ቤተ መንግስትን ዕጉታት ዝነበሩ ሰባትን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።
25
ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል፥ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ኢዮኣስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ።
26
እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
27
ካብታ ኣሜስያስ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐላ እዋን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ሻራ ይኣልሙሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሶ ልኢኾም ድማ ኣብኣ ቐተልዎ።
28
ኣብ ፈረስ ፅዒኖም ወሰድዎ እሞ፥ ኣብ ከተማ ይሁዳ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።
← Chapter 24
Chapter 26 →