bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 24
2 Chronicles 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሳብያ እትበሃል በዓልቲ ቤርሳቤህ ነበረት።
2
ዮዳሄ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን፥ ኢዮኣስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ ገበረ።
3
ዮዳሄ ንንጉስ ኢዮኣስ ክልተ ኣንስቲ ኣምፅአሉ፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳሉ።
4
ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከዓ፥ ኢዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ክሕድሳ ሓሰበ።
5
ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ “ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፥ ነቲ ዓመት ዓመት ዝግበር ምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዝኸውን ገንዘብ ካብ ኵሉ እስራኤል ኣክቡ፤ እዙይ ቀልጢፍኩም ግበርዎ” በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ሸለል በሉ።
6
ሽዑ ንጉስ ኢዮስያስ ንሊቀ ካህናት ዮዳሄ ፀዊዑ “ስለ ምንታይ ኢኻ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ንህዝቢ እስራኤል ነታ መራኸቢ ድንኳን ኣገልግሎት ዝሓገገላ ግብሪ፥ ካብ ይሁዳን ካብ ኢየሩሳሌምን ከምፅኡ ነቶም ሌዋውያን ዘየለዓዓልካዮም?” በሎ።
7
ደቂ እታ ኸሓዲት ዝኾነት ጎቶልያ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣፍሪሶምዋ ነበሩሞ፤ ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ቅዱስ ኣቑሑውን ንኣምልኾ በዓል ሂቦምዎ ነበሩሞ።
8
ስለዙይ እቲ ንጉስ፥ ሓደ ሳፁን ሰሪሖም ኣብ ወፃኢ፥ ኣብ ጥቓ ቤት እግዚኣብሄር ከቐምጥዎ ኣዘዘ።
9
እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንእስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ዝወሰነሎም ግብሪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከእትውዎ ድማ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣወጁ።
10
ኵሎም ኣሕሉቕን ኵሎም ህዝብን ከዓ ተሓጕሶም ገንዘብ ኣምፅኡ፤ እቲ ሳፁን ክሳዕ ዝመልእ ከዓ ኣእተዉ።
11
እቲ ሳፁን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብ ሹመኛታት ንጉስ ምስ በፅሐን፥ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘለዎውን ምስ ረአዩ፥ እቲ ናይ ንጉስ ፀሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ካህናት ሹምን ከዓ እናመፁ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ሳፁን የውፅእዎ ነበሩ። ነቲ ሳፁን ድማ ናብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። ከምዙይ ገይሮም ከዓ በብመዓልቱ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ።
12
ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ድማ ነዝ ገንዘብ እዙይ ነቶም ነቲ ስራሕ ምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ዝነበሩ ሃብዎም። ንሳቶም ከዓ ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ወቐርትን ፀረብትን፥ ንምፅጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ብሓፂንን ብነሃስን ዝሰርሑ ሰባት ይገዝኡሉ ነበሩ።
13
እቶም ሰራሕቲ ኸዓ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝፈረሰውን ብኢዶም ተሓደሰ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣፅንዕዋ።
14
ምስ ወድኡ ድማ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ንጉስ ኢዮኣስን ካህን ዮዳሄን ኣምፅእዎ፤ ካብኡ ድማ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፥ ኣቑሑ ንኣገልግሎትን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ውንጭሕትታትን ጭልፋታትን ካልእ ኣቑሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮዳሄ ኽሳዕ ዘሎ ኸዓ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ።
15
ዮዳሄ ግና ሸምገለ፤ ዕድመ ፀጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።
16
ኣብ እስራኤል ንእግዚኣብሄርን ነታ ቤቱን ፅቡቕ ስለ ዝገበረ ድማ፥ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።
17
ድሕሪ ሞት ዮዳሄ ግና እቶም ኣሕሉቕ ይሁዳ መፂኦም ንንጉስ ኢዮኣስ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ፥ ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም።
18
ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንሓወልቲ ኣስታሮትን ንጣዖታትን ኣምለኹ። በዝ በደሎም እዙይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ቍጥዓ ወረደ።
19
እግዚኣብሄር፥ ናብኡ ምእንቲ ኽመልስዎም ኢሉ ነቢያት ሰደደሎም፤ ንሳቶምውን ይግስፅዎ ነበሩ፤ እንተ ኾነ ኣይሰምዕዎምን።
20
መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ዘካርያስ ወዲ ዮዳሄ መፀ፥ ንሱውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ስለ ምንታይ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር እትጥሕሱ? ሰናይ ኣይኾነልኩምን እዩ። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሓደግኩም ንሱ ኸዓ ሓዲጉኩም እዩ” በሎም።
21
ሽዑ ንእኡ ንጉስ ኢዮኣስን እቶም ህዝብን ክቐትልዎ ተመሓሓሉ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ።
22
ንጉስ ኢዮኣስ ነቲ ዮዳሄ ኣቦ ዘካርያስ ዝገበረሉ ሰናይ ረስዖ፤ ንወዱ ዘካርያስ ድማ ኣቕተሎ። ዘካርያስ ግና ኽመውት እንተሎ “ነዝ እትገብሮ ዘለኻስ እግዚኣብሄር ይርአዮ፤ ንሱውን ይፍረድ” በሎ።
23
ዓመቱ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ሰራዊት ሶርያ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ወረርወን። ንዅሎም ኣሕሉቕ ህዝቢ እውን ቐተልዎም። ንዅሉ እቲ ዝማረኽዎ ድማ ናብ ንጉሶም ናብ ደማስቆ ሰደድዎ።
24
ሰራዊት ሶርያ ውሑዳት ጭፍራ ነበሩ፤ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ስለ ዝነበሩ ግና እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቲ ብዙሕ ሰራዊት ይሁዳ ዓወት ሃቦም። ብኸምዙይ ከዓ ኢዮኣስ ተቐፅዐ።
25
ሰራዊት ሶርያ ንዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ንጉስ ኢዮኣስ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ንጉስ ኢዮኣስ ንዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮዳሄ ስለ ዝቐተሎ ድማ፥ ክልተ ኻብ ሓሻኽሩ ሕነ ኽፈድዩ ተመሓሓሉሉ እሞ ኣብ ዓራቱ እንተሎ ቐተልዎ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቐበርዎ። ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይቀበርዎን።
26
እቶም ዝተመሓሓሉሉ ድማ ዛባድ ወዲ ሰምዓት ኣሞናዊትን ዮዛባት ወዲ ሰማሪት ሞኣባዊትን ነበሩ።
27
ብዛዕባ ደቁን ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዘርበ ብዙሕ ትንቢታትን፥ ብዛዕባ ነቲ ቤተ መቕደስ ከመይ ገይሩ ኸም ዘሐደሶ ዝትርኽ ፅሑፍን፥ ኣብቲ ብዛዕባ ትርጓሜ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝትርኽ መፅሓፍ ተፅሒፉ ኣሎ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣሜስያስ ነገሰ።
← Chapter 23
Chapter 25 →