bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Chronicles 23
2 Chronicles 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ሻውዐይቲ ዓመት ግና ዮዳሄ ተብዐ እሞ፥ ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ ንኣዛርያስ ወዲ ይሮሓምን ንይስማኤል ወዲ ይሆሓናን ንኣዛርያስ ወዲ ዖቤድን ንመዕሴያ ወዲ ዓዳያን ንኤሊሳፋጥ ወዲ ዝክሪን ወሲዱ ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ።
2
ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ኻብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ኣሕሉቕ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ መፁ።
3
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ተኣከበ፤ ምስ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስ ከዓ ኺዳን ኣተወ። ዮዳሄ ድማ “እንሆ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት ዝተዛረቦ ኽነግስ ዝግብኦ እዝ ወዲ ንጉስ እዙይ እዩ” ኢሉ ተዛረቦም።
4
“እቲ እትገብርዎ ነገር እዙይ እዩ፤ ኣቱም ብሰንበት ኣብ ስራሕኹም እትኣትዉ፥ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶ ኣፍ ደገታት ሓልዉ።
5
ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሓልዉ፤ ሲሶኹምውን ኣብ ማእኸላይ በሪ ኹኑ። ኵሉ ህዝቢ ኸዓ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን።
6
ግና ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፥ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ ይእተዉ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሓሉ።
7
እቶም ሌዋውያን ድማ ኣፅዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፥ ነቲ ንጉስ ከቢቦም ይሓልውዎ። ኵሉ ናብታ ቤት ዝኣቱ ኸዓ ይቀተል። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወፅእን እንተሎ ድማ ምስኡ ኹኑ።”
8
ዮዳሄ፥ ነቶም ክሰርሑ ዝሓደሩ ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፥ እቶም ሌዋውያንን ኵሎም ይሁዳን፥ ከምቲ ዅሉ ኻህን ዮዳሄ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ናብ ስራሕ ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ካብ ስራሕ ዝወፁ ገይሮም፥ ሰሰቦም ይወስዱ ነበሩ።
9
ዮዳሄ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝፀንሐ፥ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናታትን ዋላቱን ነቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ሃቦም።
10
ንነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ብኢዱ ኣትሒዙ፥ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤተ መቕደስ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጋማይ ወገና ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፥ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቖሞም።
11
ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውፂኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፤ መፅሓፍ ኪዳንውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮዳሄን ደቁን ከዓ ቐብእዎ፤ ዓው ኢሎም ድማ “ንጉስ ሺሕ ዓመት ይንገስ” በሉ።
12
ጎቶልያ ድማ ድምፂ እቶም እናጐየዩ ነቲ ንጉስ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፥ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር መፀት።
13
እንተ ጠመተት ከዓ፥ እንሆ፥ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ስፍራ ነገስታት፥ ጥቓ እቲ ዓምዲ ደው ኢሉ ነበረ። እቶም ኣሕሉቕን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከዓ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ምስጋና ይዝምሩ ነበሩ። ሽዑ ጎቶልያ ብጓሂ ኽዳውንታ ቐዲዳ “ዓመፅ እዩ፤ ዓመፅ እዩ” ኢላ ኣእወየት።
14
ዮዳሄ “ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ኣሕሉቕ ሚእቲ፥ “ብመንጎ እቶም ተሰሪዖም ዘለዉ ሓሻኽር ኣውፅእዋ፤ ነቲ ኸድሕና ኢሉ ዝስዕባ ኸዓ ብሰይፊ ቕተልዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
15
ሽዑ ሒዞም ናብ ቤተ መንግስቲ ወሰድዋ፤ ኣብቲ ደገ ኣፍራስ ክትበፅሕ እንተላ ኸዓ ቐተልዋ።
16
ዮዳሄ ድማ ንሱን እቶም ህዝብን እቲ ንጉስን እግዚኣብሄር ዝኣምላኾም ህዝቢ ምእንቲ ክኾኑ ኺዳን ኣቖመ።
17
ብምሉኦም እቶም ህዝቢ ኸዓ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዎ፤ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንናይ በዓል ካህን ንማታን ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ።
18
ዮዳሄ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ስራሕ እቲ ቤተ መቕደስ መደቦም። ንሳቶም ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ክፍፅሙን፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ መስዋእቲ ኸቕርቡን፥ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዐሎም ድማ ብሓጐስን ብመዝሙርን ከገልግሉን፥ ተመዲቦም ነበሩ።
19
ብዝኾነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱ፥ ኣብተን ደገታት ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ኣቖመ።
20
ዮዳሄ ነቶም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ነቶም ክቡራት ሰባትን፥ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝብን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ወሰደ፤ ነቲ ንጉስ ድማ ኻብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፤ በታ ላዕለወይቲ በሪ ድማ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣእተውዎ፤ ነቲ ንጉስውን ኣብ ዙፋን ኣቐመጥዎ።
21
ኵሎም ህዝቢ እታ ሃገር ተሓጐሱ፤ ጎቶልያ ብሰይፊ ስለ ዝተቐትለት ድማ እታ ኸተማ ሃድአት።
← Chapter 22
Chapter 24 →